ፕረዚደንት ትራምፕ ንርእይቶ ኢልሃን ዖማር ‘ጸላም መዓልቲ ንእሰራኤል’ ዝብል ምላሽ ሂብሉ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሶማላዊ መበቆል ንዘለዋ ኣሜሪካዊት ኣባል ባይቶ ኢልሃን ዖማር ኣብ ጉዳይ ዝምድና ኣሜሪካን እስራኤልን ኣመልኪታ፡ ንዝሃበቶ ርእይቶ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ "ጸሊም መዓልቲ ንእሰራኤል" ክብል ገሊጽዎ።

ንሱ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኢልሃን ካብ ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ክትእለይ ጸዊዑ።

ኣባል ሰልፊ ዲሞክራት ዝኾነት ኢልሃን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንጽልዋ ኣይፓክ ዝተብሃለ ደጋፊ እስራኤል ዝኾነ ጽልዋ ዝፈጥር ጉጅለ ዝነቐፈት ኮይና፤ እቲ ትካል "ንናይ ወጻኢ ሃገር ተማእዛዝነት" ከም ዝድግፍ ትገልጽ።

እቲ ዝሃበቶ ርእይቶ ብዙሕ ካብ ዲሞክራት ኮነ ሪፓብሊካን ተቓውሞታት ኣስዒቡ ኢዩ።

ኒታ ሎወይ ኣባል ደሞክራት ክትኸውን ከላ፡ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ ኢልሃን ዖማር ነቲ ንእስራኤል ዝግበር ደገፍ ዘይመልክዑ ምሃባን እዚ ድማ ከም ዝጉሃያን ሓቢራ።

ኣባል ሰልፊ ዲሞክራትን ኣቦ መንበር ኮሚተ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ዝኾነ ኢልዮት ኤነገል፡ ኢልሃን ይቕረታ ክትሓትት ጸዊዑ።

ኣባላት ደሞክራት ረቡዕ ኣብቲ ኢልሃን ዝሃቦቶ ርእይቶ ዝምልከት ሓሳብ ድምጺ ክህቡ ኢዮም።

ኣብ ትዊተር: ብዙሓት ሰባት ንኢልሃን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ፡ ምስ ኢልሃን ደው እብል #IStandWithIlhan ዝብል ሃሽታግ እናተቐባበሉ ይዝርግሑ ኣለው።

ኢልሃን ዖማር ኣብቲ ኣብ 2018 ዝተገብረ መርጫ፡ ብምዕዋታ ፈላሚት ሶማላዊት-ኣሜሪካዊት ኣባል ባይቶ ኮይና ኢያ።

ንሳ ኣብዚ እዋን ምስቲ ድሕሪ 14 ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ፡ ናብ ኤርትራ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ክልተ መዓልትታት ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኢትዮጵያ ኣምሪሓ ኣላ።

ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፡ ድሕሪ ዓመታት ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ፈላሚ ልኡኽ ኣሜሪካ ምዃናን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ሰፊኑ ምርኣያን ከም ዘኹርዓን ገሊጻ።

ኢልሃን ብተወሳኺ "ንሰላምን ፍትሕን ክቃለስ እየ፤ ምኽንያቱ እቶም ንቃንዛ ኲናት ዝተሞከርዎ ኢዮም ብሰላም ንዝርከብ ሓጎስ ዝፈልጥዎ" ኢላ።

ኣብዛ ጉጅለ፡ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ጆ ንጉሰ'ውን ዝርከብ ኮይኑ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማካሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀልን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወትን ከም ዝተራኸቡ ተገሊጹ።