ማይክል ኮሄን ትራምፕ ብዛዕባ ዝተሰርቁ ኢሜይል ከም ዝፈልጥ ንኮንግረንስ ኣሜሪካ ተዛሪቡ

ጠበቓ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝነበረ ማይክ ኮሄን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጠበቓ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝነበረ ማይክ ኮሄን

ጠበቓ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ነበር ማይክል ኮሄን፡ ዝተሰርቁ መልእኽታት ኢንተርነት ዲሞክራት [ኢሜይል] ልሒኾም ቅድሚ ምውጽኦም፡ ፕሬዝደንት ትራምፕ ይፈልጥ ምንበሩ ተዛሪቡ።

ኮሄን ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ትራምፕ ኣብ እዋን ጎስጓስ መረጻ እንከይተረፈ፡ ምስ ሩስያ ርክባት ከም ዝነበሪ ገሊፁ'ሎ።

ኣብ ዘረብኡ፡ ትራምፕ "ዘርኣዊ"ን "መታለሊ"ን እዩ ክብል ተሰሚዑ።

ትራምፕ ብወገኑ፡ "ናይ ማእሰርቲ ግዝኡ ንክሓጽረሉ'ዩ ይሕሱ ዘሎ" ክብል መልሲ ሂቡ።

ወዲ 52 ዓመት ኮሄን፡ ብዘይሕጋዊ ፋይናንሳዊ ወፃእታት ጎስጓስ መረፃ፣ ምትላል ግብርን ንኮንግረንስ ብምሕሳውን ተኸሲሱ ናይ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ክጅምር'ዩ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

Presentational white space

ኮሄን ብዛዕባ ፕሮጀክት ሞስኮ እንታይ'ዩ ኢሉ?

ትራምፕ ምስ ሩሲያ ዝኾነ ዓይነት ንግዳዊ ርክብ ከም ዘይብሉ'ኳ ብተደጋጋሚ እንተተዛረበ፡ ኮሄን ከም ዝበሎ እንተኾይኑ ግን፡ ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሞስኮ ዝህነፅ ገዚፍ ህንፃ "ይፈልጥን ይኸታተሎን" ነይሩ።

"ምርጫ ክዕወት'የ ኢሉ ስለ ዘይተጸበየን ኣማኢት ሚሊዮን ዶላራት ክረክብ ስለ ዝደልይን'ዩ ሓሲዩ።" ኢሉ።

ኣብ 2017 ግን፡ ትልሚ ምህናጽ ዓብዪ ህንጻ ትራምፕ ኣብ ሞስኮ ኣብ መጀመርታ ወርሒ 2016 ጠጠው ከም ዝበለ ንኮንግረስ እታ ኣሜሪካ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኮሄን ኣብዚ ጉዳይ ነቲ ኮንግረንስ ይቕረታ ዝሓተተ ኮይኑ፡ ብጠበቓታት ትራምፕ "ዝተኣረመን ዝተገምገመን'ዩ ነይሩ" ኢሉ።

ካብዚ ሓሊፉ ኮሄን ብዛዕባ ዘርኣውነት ዶናልድ ትራምፕ ዘልዓለ ኮይኑ፡ "ሓደ ግዘ ብጸሊም ሰብ ዝተመርሐት ሃገር እንተሃለወት ክረቑሓሉ ሓቲቱኒ ነይሩ። እዚ ባራክ ኦቦማ ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ኣብ ዝነበረሉ እዋን'ዩ" ኢሉ

"ሓደ ግዘ ብቺካጎ እናሓለፍና፡ ጸለምቲ ሰባት ጥራሕ'ዮም ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ዝነብሩ ኢሉ። ጸለምቲ ድማ ደደባት ስለ ዝኾኑ ንዕኡ ከም ዘይመርጹ ተዛሪቡኒ ነይሩ። ከምኡ'ውን ኮይኑ ግን ምስኡ ይሰርሕ ነይረ" ክብል ገሊፁ።

ሪፐብሊካን እንታይ ይብሉ?

ሪፐብሊካን ግዝኣት ሰሜን ካሮሊና፡ ማርክ ሚዶው፡ ዲሞክራት ንምስክርነት ዝጸውዑዎ "ሓሳዊ ገበነኛ፡ እዩ" ኢሉ።

"ካብ ማይክል ኮሄን ወጻእ፡ ምስክርነት ቅድሚ ምስያሙ ብዙሕ ዘይእመን ዘረባ ሒዙ ኣብ ፊት ኮሚቴና ዝቐረበ ኣይፈልጥን" ክብል'ውን ተዛሪቡ።

ዓቃቢ ሕጊ ዲሞክራት ማት ጋቴዝ ድማ፡ ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወት ኮሄን ዝፈልጦ ሓበሬታ ከም ዘውጽእ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ፡ ጸኒሑ ድማ ኣጥፊኡዎ።

ኮሄን፡ ብፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕን ጠበቕኡ ሩዲ ጉሊያንን ኣብ ልዕሊ ስድርኡ ዝበጽህ ምፍርራሕ ከም ዘሎ ብምግላጹ፡ ኣብቲ ዝሃለፈ ወርሒ ምስክር ዝህበሉ መዓልቲ ተቀይሩ'ዩ።