ኣቦ ማይክል ጃክሰን፡ ጆ ጃክሰን ዓሪፎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣቦ ማይክልን ጃኔትን፡ ጆ ጅክሰን ኣብ መበል 89 ዓመት ዕድሚኦም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።
ጆ ከምዝዓረፉ ዝተሓበረ ትማሊ ረቡዕ ወጋሕታ'ዩ። ብካንሰር ጣፍያ ክሳቐዩ ምፅንሖም ይዝረብ።
ንሶም፡ ዝኽሪ 9ይ ዓመት ወዶም ማይክል ካብ ዝካየድ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ምዕራፎም ንብዙሓት ኣገሪሙ'ሎ።
ንማይክል ሓዊሱ ሓሙሽተ ሙዚቀኛታት ቆልዑ ዘፍረዩ ኮይኖም፡ "ጃክሰን ፋይቭ" ብዝብል ሽም ይፍለጡ።
ላቶያ፣ ሬቢን ጃኔትን ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ደቆም እየን።
ካብ ሰለስትኤን ብሙዚቃ እትፍለጥ ጃኔት ጃክሰን ጥራሕ'ያ። ጆ ናይ ጃኔት ናይ ሙዚቃ ህይወት ዕውት ንክኸውን ብዙሕ ከምዝፀዓሩ ይግለፅ።
ጆ ጅከስን ህይወት ሙዚቃ ደቆም ንኽዕወት ዘኽኣሉ ብዝብል'ኳ እንተተወደሱ፡ ኣብ ስነ-ምግባርን ቅፅዓትን ተሪር ብምንባሮም ግን፡ ህይወቶም ደቆም ዘይተረጋግአ ንክኸውን ከም ምኽንያት ገይሮም ዘልዕሉ ኣይሰኣኑን።
ንደቆም ብዝኸበደ መገዲ ይቐፅዑ ከምዝነበሩ'ውን ይዝረብ። ንማይክል ይቐፅዕዎ ምንባሮም ድማ ኣሚኖም ነይሮም።
"ብቐበቶ እገርፎ ነይረ። ከቢድ ማህረምቲ ግን ፊፂመ ኣይፈልጥን። ብበትሪ ዝግበር መግረፍቲ ማለተይ'ዩ" ክብሉ ብ2003 ንቢቢሲ ተዛሪቦም ምንባሮም ይዝከር።
ኣብቲ ናይ ሽዑ ቃለ-መሕትቶም "ርክብ ተመሳሳሊ ፆታ ነውሪ'ዩ። ኣይቅበሎን" ምባሎም ከም ዓብዪ ዜና ተወሲዱ ነይሩ።
ጆ ጃክሰን ካብ በዓልቲ ቤቶም ወፃኢ ብ20 ዓመት ምስ እትንእሶም ጓል ኣንስተይቲ ርክብ ከምዝነበሮም ይግለፅ።
ብህይወት ዘለዋ ኣዶ በዓል ማይክል 88 ዓመት ዕድመ መሊእወን ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







