ቲዮዶሪን ኦቢያንግ፡ ኣብ ሓደ ቦርሳ 16 ሚልዮን ሒዙ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰብመዚ ብራዚል ልዕሊ 18 ሚልዮን ዶላር (12 ሚልዮን ፓንውንድ) ዝግመት ጥረ-ገንዘብን ክቡራት ሰዓታትን ካብቲ ምክትል ፕረዚደንት ሃገሩ ዝኾነ ቲዮዶሪን ኦቢያንግ ኣሰንይዎ ዝኸደ ጉጅል ልኡኽ ከም ዝሃገሩ ማዕከናት ዜና'ታ ሃገር ኣቃሊሐን።
እቲ ብምግያጽ ዝፍለጥ ወዲ 48 ዓመት፡ ወዲ ፕረዚደንት ናይታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ሃገር ኢኳቶሪያል ጒኒ እዩ።
ብራዚል ናብ ሃገራ ዝኣትዉ ወጻእተኛታት ካብ 2, 400 ዶላር ንላዕሊ ሒዞም ክኣትዉ ኣይትፈቅን'ያ።
76% ናይቲ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ድኽነት ይነብር።
እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነውሐ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ቲዮዶሮ ኦቢያንግ ንገየማን ወዱን ብምጥፍፋእ ናይቲ ካብ ነዳዲ ዝተረኽበ ኣታዊ ክኽሰሱ ጸኒሖም'ዮም። ክልቲኦም ግና ነቲ ክሲ ነጺገሞ።
ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት'ውን ነቲ ፕረዚደንት ብምግሃስ ሰባዊ መሰላት ይኸስዎ'ዮም።
ኤምባሲ ኢኳቶሪያል ጒኒ ኣብ ብራዚል ቲዮዶሪን ኦቢያንግ ንሕክምና ናብታ ሃገር ኣትዩ ክብሉ ንፓሊስ ከም ዝሓበሩ ይንገር ኣሎ።
ክንድዚ ገንዘብ ንምንታይ?
ብጸብጻባት ማዕከናት ዜና መሰረት፡ እቲ 11 ሰባት ዝሓዘ ጉጅለ፡ ብናይ መንግስቲ ነፋሪ'ዩ ኣብ ከተማ ሳኦ ፓውሎ ዝርከብ ማዕርፎ ነፈርቲ ዓሊቡ።
ፓሊስ 1.5 ሚልዮን ዶላር ጥረ-ገንዘብን ልዕሊ 15 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሰዓታትን ኣብ ክልተ ሳንጣታት ኣትዩ ረኺቦም፡ እቲ ዝተረፈ 17 ሳንጣታት ግን ክዳውንቲ ዝሓዘ ምንባሩ'ዩ ዝግለጽ።
ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ዓለም ከም ዝሓበረኦ፡ እቲ ኤምባሲ፡ እቲ ገንዘብ ንዝቕጽል ዑደት ናይቲ ምክትል ፕረዚደንት ዝኾነ ኦቢያንግ ናብ ሲንጋፓር ዝውዕል ምዃኑን፡ እቲ ሰዓታት ድማ ኣብ ጉዕዝኡ ክጥቀመሉ ዝተማለኦ ምዃኑ ንፓሊስ ገሊጹ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ብራዚል ንኣገልግሎት ዜና ኤ ኤፍ ፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ምስ ፈደራል ፓሊስን ኣታዊ ውሽጢ ሃገርን ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ንምፍላጥን እንታይ ስጉምቲ ከም ዝውሰድን ሓቢርና ንሰርሕና ኣለና" ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ጉዕዞ ወግዓዊ መንግስታዊ ተልእኾ ንምፍጻም ስለዘይነበረ፡ እቲ ምክትል ኣቡኡ ዝኾነ ኦቢያንግ ጥራይ'ዩ ዲፕሎማስያዊ ሓለፋ (ኢሚዩኒቲ) ዘለዎ።
ስለዚ ድማ ፓሊስ፡ ሚስተር ኦቢያንግ ኣብ መኪና ኮይኑ እናተጸበዮም እንከሎ፡ ንኹሎም እቶም ዝተረፉ ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ፈቲሽዎም ክብል ግሎቦ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ጸብጺቡ።
ቲዮዶሪን ኑጒየማ ኦቢያንግ መን'ዩ?
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘ ኢኮኖሚስት ዝተባህለ ጋዜጣ ብዛዕባ ዘብለጭልጭ (ፍላሺ) መነባብሮ ናይ ቲዮዶሪን ኦቢያንግ ጽሒፉ ነይሩ።
ኣብቲ እቲ ጋዜጣ ዘቕረቦ ስእልታት ንሱ በተን ዝውንነን ኣዝየን ክቡራት መካይንን ቪላታት ኣባይትን እናተመከሐ ይረአ።
ኣብ 2017 ሓደ ናይ ፈረንሳ ቤት ፍርዲ፡ ዝተወንዘፈ ናይ 3 ዓመት ማእሰርቲ ፈሪድዎ ነይሩ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ብተወሳኺ፡ ዝነበሮ ሃብቲ ክድስክልን ናይ 3.5 ሚልዮን ዶላር ውንዙፍ መቕጻዕቲን በዪኑሉ።
ብዘይካ'ዚ ኣብቲ ዓመት'ቲ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ሲዊዘርላንድ ነቲ ካብ ነዳዲ ዝተረኽበ ኣታዊ ሃገሩ ኣጠፋፊኡ ብምባል፡ ንሱ ዝውንነን 11 ኣዝየን ክቡራት መካይን ሓንቲ ናይ ውልቁ ነፋሪትን ሃጊሮም። ነቲ ኣኪብዎ ዝነበረ ናይ ህቡብ ደራፋይ ማይክል ጃክሰን ውልቃዊ ሓድግታት'ውን ምስኡ ተሃጊሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ 2015 ኦቢያንግ፡ ኣብ ብራዚል ንሓደ ናይ ሳዕሲዒት ጉጅለ፡ ኣብ እዋን ካርኒቫል ናይ ሃገሩ ቴማ ክጥቀሙ ብምባል 3.5 ሚልዮን ዶላር ከም ዝኸፈለ ይንገረሉ።
ኣፈኛ ናይቲ በይጃ-ፍሎር ዝተባህለ ናይ 'ሳምባ' ጉጅለ ነቲ ገንዘብ ከምዘይተቐበለ'ኳ እንተገለጸ፡ "ባህላውን ስነጥበባውን ደገፍ" ከም ዝተዋህቦ ግን ኣይሓብአን ክብል ጋርድያን ዝተባህለ ጋዜጠኛ ዓዲ እንግሊዝ ጽሒፉ ነይሩ'ዩ።
ብዛዕባ ኢኳቶሪያል ጒኒ፡
- ብዝሒ ህዝቢ፡ 1.2 ሚልዮን
- ብነዳድን ጋዝን ሃብታም ሃገር
- ኣስታት 76% ህዝባ ኣብ ድኽነት ዝነብር
- ወዲ 76 ዓመት ፕረዚደንት ቲዮዶር ኦቢያንግ ንጒየማ፡ ንሓወብኡ ብምዕላው ኣብ 1979 ስልጣን ጨቢጡ
- ርእሰ-ከተማ ናይታ ሃገር ዝኾነት ማላቦ፡ ኣብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ እተደኮነት ደሴት ኮይና፡ ካብ ቀንዲ መሬታዊ ክፋል'ታ ሃገር ኣስታት 235 ርሒቓ ትርከብ።
- ኣብቲ ብዱር ዝተሸፈነ ጂብሎሆ ዝተባህለ ካባቢ 'ናይ መጻኢ ከተማ' ተባሂላ እትጥቅስ ሓዳስ ከተማ ትሃንጽ ኣላ
- ኣብ ኣፍሪቃ እታ እንኮ ስጳኛ ዝዝረበላ ሃገር




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







