ውንኣ ዝሰሓተት ሩስያዊት 'ብሓሰማታት ተበሊዓ'

ጓል 56 ዓመት ሩስያዊት፡ ኣብ ደንበ ሓሰማታት ውነኣ ስሒታ ድሕሪ ምውዳቓ ብሓሰማታት ከምዝተበልዐት ሚድያታት ሩስያ ኣቃሊሐን።

እታ ሰበይቲ፡ ነተን እንስሳት ቀለብ እናሃበት ከላ እያ ውነኣ ስሒታ ወዲቓ።

ሰብኣያ ጸኒሑ ንሬሳኣ ከምዝረኸቦን፤ ብዙሕ ደም ስለዝፈሰሳ ከምዝሞተትን ድማ ተገሊጹ።

እዚ ፍጻመ፡ ኣብ ማእኸላይ ክፋል ሩስያ ኡድመርሻ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዩ ኣጋጢሙ። ናይቲ ኸባቢ ማዕኸናት ሚድያ ከምዝበልዎ፡ ቅድሚ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ መዓልቲ፡ ሰብኣያ ስለዘይጠዓዮ ብግዘ እዩ ደቂሱ።

ካብ ድቃሱ ምስተበራበረን ሰበይቱ ከምዘየላን ምስረኣየ እዩ ክደልያ ጀሚሩ።

ብድሕሪ'ዚ እዩ ንሬሳኣ ኣብቲ ደምበ ሓሰማታት ወዲቑ ረኺብዎ።

እዚ ፍጻመ ዝምልከት ምጽራይ ይግበር ከምዘሎ'ውን ናይቲ ኸባቢ ማዕከናት ዜና ይገልጹ።