እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቀላይ ቦትስዋና ኣማኢት ቡፋሎ ጥሒሎም
ኣብ ዶብ ቦትስዋናን ናሚብያን ዝርከብ ገማግም ወሓዚ ኣማኢት ቡፋሎ ጥሒሎም ተረኺቦም።
እቶም ቡፋሎ ካብ ሃድን ኣናብስ ክሃድሙ ናብ'ቲ ቀላይ ኣትዮም ከምዝጠሓሉ ተገሊጹ።
ሓደ ወናኒ ሆቴል ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ቡፋሎ ሰንቢዶም እናተደፋፍኡ ናብ'ቲ ዝዓሞቐ ክፋል እቲ ወሓዚ ስለዝኣተዉ እዮም ጥሒሎም ኢሉ።
ኣብ ሂወቱ ክንድኦም ዝብዝሖም ቡፋሎ ክጥሕሉን ክሞቱን ሰሚዑን ርእዩን ከምዘይፈልጥ እውን ብምግራም ገሊጹ።
በቲ ሓደጋ ብገምጋም 400 ዝኾን ቡፋሎ ከም ዝሞቱ ሰበስልጣን ቦትስዋና ሓቢሮም።
ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ክፋላት ሰብነት እቶም ቡፋሎ እናቖረጹ ንገዝኦም ብምውሳድ ይምገብዎም ኣለው።
እቲ ሩባ ብቐጥታ ናብ ሃገራዊ ፓርክ ኮበ ዝውሕዝ ኮይኑ፡ መስሕብ በጻሕቲ (ቱሪስት)ን ፡ ብብዝሒ ሓራምዝ፡ ቡፋሎን ዝርከቡሉ ቦታ'ዩ።
ሚኒሰትሪ ከባቢ ቦትስዋና፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከም'ዚ ዓይነት ተርእዮ ልሙድ'ዩ እኳ እንተበሉ፤ ነበርቲ እቲ ከባቢ ግን፡ ቅድሚ ሕጂ ክሳብ 50 እንተዘይኮይኑ። ክንድ'ዚ ዝብዝሖም ሰሚዕናን ርኢናን ኣይንፈለጥን ይብሉ።
ሰበስልጣን እታ ሃገር ነበርቲ እቲ ከባቢ ነቲ ስጋ ወሲዶም ክምገብዎም ፍቓድ ብምሃቦም፤ ኩሉ ሰብ ስጋ ንገዝኡ ንምውሳድ ይጓየ ምህላው፤ ብተዓዘብቲ ዝተሰነዱ ስእልታት ይምስክሩ።