ጓል 26 ዓመት ኡጋንዳዊት ሕጊ ሃገራ ብምጥሓስ ተኸንሺባ

ኣብ ሃገረ ዩጋንዳ ምኽንሻብ ብሕጊ ክልኩል ክንሱ፡ ጓል 26 ዓመት ጎርዞ ነቲ ሕጊ ብምጥሓስ ኣብ ቅድሚ እኩብ ህዝቢ ብምኽንሻባ ሕብንትን ሕጉስትን ከምዝኾነት ገሊጻ።

ምኽንሻብ ምስ ኩሉ ሳዕቤናቱ ፡ ሞት፣ ረኽሲ፣ ምምኻንን ናይ ወሊድ ሽግራትን ዳርጋ ኣብ 30 ሃገራት ኣፍሪቃን ገለ ሃገራት ኤስያን ማእኸላይ ምብራቕን ክዝውተር ንሪኦ።

ኣብ ኡጋንዳ ካብ 2010 ንድሓር ምኽንሻብ መንእሰያት ደቀንስትዮ ብሕጊ ክልኩል ክንሱ፡ ሲልቪያ ዬኮ ዝተባህለት ጓል 26 ዓመት መንእሰይ ግና ብፍቓዳ ክትክንሸብ ከምዝወሰነት ተፈሊጡ።

እቲ ናይ ምኽንሻብ ስነ-ስርዓት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ቅሉዕ ቦታ ከምዝተኻየደ ዘርኢ ቪድዮ ከምዘርኣየቶም ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ዩጋንዳ ካትሪን ባያሩሃንጋ ሓቢራ።

እቲ ነቲ ፍጻመ ብተምስጦ ዝዕዘብ ዝነበረ እኩብ ህዝቢ፡ ኣብ ዙርያ ሲልቪያ ዬኮን ሓንቲ ካልእ ብጻዕዳን ቡናውን ሓርጭ ገጻ ዝተለኽየት ሰበይቲ ብምኽባብ፡ ነቲ ፍጻመ ብዕልልታን ታሕጓስን ገሊፀንኦ ነይረን።

እተን ክኽንሸባ ዝተዳለዋ መንእሰያት ኣብቲ ብሳዕሪ ዝተሸፈነ መሬት ኣእጋረን ኣጋሕቲነን በጥ ድሕሪ ምባል፡ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ናብኣተን ብምምጻእ፡ ብቕልጡፍ ናይተን ተር ኢለን ተጋዲመን ዘለዋ ኣዋልድ ጉድበ ብላማ ትጉንድቦ።

እቲ ምኽንሻብ ኣዝዩ ዘሕምም እኳ እንተኾነ፡ ድኹማት ከይብሃላ ኣየእወያን። እቲ መስርሕ ምኽንሻብ ኣብ ምብራቓዊ ዩጋንዳ ባህሊ ስለዝኾነ፡ ኩለን ደቀንስትዮ ቅድሚ ምምርዓወን ክሰግርኦ ዘለወን ኣገዳሲ መስርሕ ኢዩ።

``ኣብታ መዓልቲ ኣዝየ ተሓቢነን ተሓጒሰን`` ኢላ ሲልቪያ ዬኮ ምስ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ነቲ ቪድዩ እናረኣየት።

``ቅድሚ ምኽንሻበይ፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ከም ዝኾነት ጓል እየ ዝርአ ነይረ፡ ሕጂ ግና ሓንቲ ካብተን ብኣኽብሮት ዝጥመታ ጓልንስተይቲ እየ`` ኢላ።

እምነት ተኸንሸብቲ

ብምኽንሻባ ስጋብ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ከምትቕፃዕ ትፈልጥ ነይራ፡ እንተኾነ በቲ ሕብረተሰብ መታን ክትልለ ድማ ኣብ እምነታ ጸኒዓ።

ብሕጊ እታ ሃገር፡ እተን ዝኸንሸባ`ውን ስጋብ 10 ዓመት ክእሰራ ይኽእላ።

ካብ ወርሒ ታሕሳስ ንድሓር፡ ኣብ ምብራቓዊ ዩጋንዳ፡ ምስ ኬንያ ኣብ ዘዳውብ ኢዩ ተኻይዱ።

ኣብዚ ቐረባ እዋን ሰለስተ ሰባት፡ ሓንቲ ጓል 15 ዓመትን ዓባይ ሰበይትን ዝረከብኦም ብጉዳይ ምኽንሻብ ተኸሲሰን ኣለዋ፡ ካልኦት 19 ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፍርደን ይጽበያ ኣለዋ።

ምኽንሻብ ብዘስዕቦ ምፍሳስ ብዙሕ ደም፡ ሂወት ናይተን ኣዋልድ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ። ብድሕሪኡ ድማ ረኽሲ ይስዕብ። ኣብከይዲ እቲ ምኽንሻብ ሕፍረት ናይተን ዝተኸንሸባ ደቀንስትዮ ብሓርጭ ተሸፊኑ ይርአይ። እተን ኣዋልድ ብሓንቲ ላማ ድየን ተኸንሺበን ዛጊት ንጹር ዘይኮነ ጉዳይ ኢዩ።

ብድሕሪኡ፡ ኣብ ሂወተን ዘይጠፍእ በሰላ ይገድፈለን፡ ካሎ (ኣብ እግሪ ዝፍጠር ንእሽተይ ሕበጥ)`ውን ይፈጥር። ኣብ እዋን ወሊድ ድማ ብዙሕ ጸገማት ይፈጥረለን።

ብዝኾነ፡ ሲልቪያ ዬኮ ኣብ ዞባ ሴቦ ብዓልቲ ዝና ኮይና ኣላ። ካልኦት ኣዋልድ ኣሰራ ብምስዓበንን፡ ሂወተን ኣብ ሓደጋ ብምውዳቐንን ከምትሻቐልን ዘይትሻቀልን፡ ብጋዜጠኛ ቢቢሲ ንዝቐረበላ ሕቶ ክትምልስ ከላ፡ ብናታ እምነት ምኽንሻብ ዝኾነ ሳዕቤናት ከምዘይብሉ ገሊጻ።

ምኽንሻብ ደቀንስትዮን ሳዕቤናቱን

- ኣብዚ እዋን ኣብ 30 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኢስያን ማእከላይ ምብራቕን ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ዝውቱር ኢዩ።

- ኣስታት ሰልስተ ሚልዮን ኣዋልድ ድማ ፡ነብሲ ወከፍ ዓመት ንሓደጋ ምኽንሻብ ይቃልዓ።

- መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንእሰያት ኣውልድ፡ ኣብ መንጎ ህጻናትን ደቂ 15 ዓመት ዘለዋ ኣዋልድን ኢዩ ዝካየድ።

- ገለ ካብ ሳዕቤናቱ ድማ ብዝሒ ምፍሳስ ደም፡ ናይ ምሻን ሽግራት፡ ረኽሲ፡ ምምኻንን ጸገማት ኣብ እዋን ወሊድን ኢዩ።

ሲልቭያ ነቲ ምኽንሻብ ዘካየደቶ ነቲ ባህላዊ መስርሕ ንምትግባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ መንግስቲ ድሕሪ ምኽንሻብ ምእጋዱ፡ ነተን ደቀንስትዮ ትምህርታዊ ሓገዛት ንምሃብን መነባብሮአን ንምምሕያሽን ዝኣተዎ ቃላ ብዘይምፍጻሙ፡ ተቓውሞኣ ንምስማዕ ከምዘካየደቶ ገሊጻ።