ቱር ዲ ለስፕዋ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዓወት ኣመዝጊቦም

ካሜሩን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ዋንጫ ቅድድም ብሽክለታ ሃገራት፡ ኤርትራ ብጋንታን ብውልቅን ትመርሕ ኣላ።

102 ኪሜ ዝሸፈነ ካልኣይ መድረኽ ቱር ዲ ለስፕዋ ሎሚ ቁጠባዊት ማእከል ካሜሩን ኣብ ዝኾነት፡ ወደባዊት ከተማ ዱዋላ ተኻይዱ።

ኣብዚ መድረኽ ፖርቱጋላዊ ካምፖስ ፍራንሲስኮ ክዕወት እንከሎ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብተመሳሳሊ ግዜ ካልኣይ፡ ጃፓናዊ ማትሱዳ ሾይ ሳልሳይ፡ ኤርትራዊ ያቆብ ደበሳይ ድማ ራብዓይ ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።

ኣብ ሓፈሻዊ ግዜ፡ ኤርትራዊ ናትናኤል መብራህቶም ብጫ ማልያ ወድዩ ነቲ ውድድር ክመርሖ ከሎ፡ ካልኣይ ያቆብ ደበሳይ፡ ሳልሳይ ፊሊጶስ ክብረኣብ፡ ራብዓይ ዳንኤል ሃብተሚካኤል ብምዃን፡ ኤርትራውያን ጸብለል ኢሎም ኣለው።

ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ 32 ነጥቢ ብምሕፋስ ቀጠልያ ማልያ ክወዲ በቒዑ ኣሎ። ሞሮካዊ ላሀን ሳበሂ ካልኣይ ኤርትራዊ ደበሳይ ያቆብ ደማ ሳልሳይ ኮይኖም ይስዕብዎ።

ብሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ቀዳመይቲ ኮይና ዝዛመት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ መሪሕነታ ከተደልድል ከላ፡ ኣልጀርያን ፖርቱጋልን ካልኣይትን ሳልሰይትን ኮይነን ይስዕባ ኣለዋ።

ሃገራዊት ጋንት ኢትዮጵያ ሓደ ደቒቕ ድሒራ ሻድሻይ ተርታ ሒዛ ትርከብ።

ሎሚ ዓመት ንኻልኣይ ግዚኡ ዝካየድ ዘሎ ቱር ዲ ለስፕዋ፡ ዙር ተስፋ ብዝብል ስም ይሰላሰል ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 14 ጋንታታት ዘሳተፈ እዚ ውድድር፡ ሎሚ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ዝኾና ጋንታታት ኣርጀንቲና፡ ኤኳዶር፡ ጃፓን፡ ሞናኮን ፖርቱጋልን ኣሳቲፉ።

ተዓወትቲ እዚ ውድድር ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ ቱር ዲ ለ ኣቨኒ ናይ ምስታፍ ዕድል ክህልዎም እዩ።

ቱር ዲ ለስፕዋ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ዋንጫ ቅድድም ብሽክለታ ሃገራት ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ርዋንዳ ክትዕወተሉ ከላ፡ ኤርትራ ንሞሮኮ ስዒባ ሳልሰይቲ ኮይና ምዝዛማ ይዝከር።

እቲ ውድድር ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ፌደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ካሜሩን፡ ቪቨንዲ ስፖርትስ ብዝተባህለ ትካል እዩ ዝካየድ።

ዕላማ እቲ ውድድር ንደረጃ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ንምምሕያሽ ምዃኑ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እቲ ውድድር ይገልጽ።

እቲ ሎሚ ዓመት ንካልኣይ ግዚኡ ዝተዳለወ ውድድር ክሳብ 9 ለካቲት 2019 ክቕጽል'ዩ።