እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካሜሩን፡ ጋንታ ብሽክሌታ ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት ሳልሰይቲ ወጺኣ
ኤርትራ ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዝተዛዘመ፡ ኣብ ካሜሩን ክካየድ ዝቐነየ ዙር ተስፋ ሰማያዊ ቅናት ሃገራት ኣፍሪቃ ብሃገር ደረጃ ሳልሰይቲ ወጺኣ። ርዋንዳን ሞሮኮን ድማ ቀዳመይቲን ካልእይቲን ኮይነን ተዓዊተን።
ሓፈሻዊ ውጽኢት ምስ እንምልከት ድማ፡ ኢትዮጵያዊ ተቐዳዳማይ ሚልዮን በዛ 6ይ ከኸውን እንከሎ፡ ኤትራዊ ሮቤል ተወልደ 10ይ ብምዃን ውድድራቶም ዛዚሞም።
ብሰንበት ኣብ ያውንዴ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይን ናይ መወዳእታን መድረኽ፡ ኤትራዊ ተቐዳዳማይ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ነቲ ኣብ ኣኮኖ ዝጀመረ ናይ 71.5 ኪሎሜተር ውድድር ኣብ 1:50:44 ብምፍጻም፡ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዋቱ።
ጎብለል ናይቲ ዙር ብጠቕላላ ኮይኑ ዝተዓወተ ርዋንዳዊ ጆሰፍ ኣረሩያ ድማ ርብዓይ ወጺኡ። ዘመንፈስ ሶሎሙን መብል 14 ክኣቱ እንከሎ፡ ኢትዮጵያውያን ተቐዳደምቲ ሚልዮን በዛን ክፍላይ ዳናይ ገብረሃንስን መበል 16ን 17ን ኮይኖም ኣትዮም።
ኣብዚ 82 ተቐዳደምቲ ከአንግድ ዝቐነየ ውድድር ዝተሳተፉ 6 ኤርትራውያንን 2 ኢትዮጵያውያንን በብዉልቆም ዝድነቕ ዓወታት ከመዝግቡ ኪኢሎም'ዮም።
ኤርትራውያን ናትናኤል መብራህቶምን ዘመንፈስ ሶሎሙንን ኣብቲ ቀዳማይ መድረኽ፡ ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ተመራሪሖም ብምእታዎ ክዕወቱ ከለዉ፡ ካልኣይ መድረኽ ናይቲ ውድድር ድማ ብዓወት ዳኒኤል ሃብተሚካኤል ተዛዚሙ።
ሳልሳይ መድረኽ ዙር ካሜሩን፡ ብርዋንዳውያን ተቐዳደምቲ'ኳ እንተተዓብለለ፡ ኢትዮጵያዊ ተቐዳዳማይ ሚልዮን በዛ ሳልሳይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።
ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ መዓልታት ብጫ ማልያ ብምወዳይ ዝመርሕ ዝነበረ ናትናኤል መብራህቶም ብወገኑ ነቲ ዘጋጠሞም ብድሆታት ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጾ።
"እቲ ዝዓበየ ብድሆ ክኾነና ዝኸኣለ ኣብዚ ውድድር'ዚ፡ ኩነታት ኣየር ናይዚ ዓዲ'ዩ። ብፍላይ እብተን ቀዳሞት ክልተ መዓልቲ ኣብ ድዋላ ዝገበርናየን ጸወታታት፡ ምስቲ ገማግም ባሕሪ ምዃኑ ኣዝዩ ጸቕጢ ኔይሩዎ።"