ዑመር ኣል በሽር ንሱዳን ንምሕማስ ጻዕርታት ይግበር ኣሎ ይብል

ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሽር፡ ኣብ ግብጺ ዑደት ይገብር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሽር፡ ኣብ ግብጺ ዑደት ይገብር

ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሽር ንሃገሩ በቲ ቀውዒ ዓረብ [ኣራብ ስፕሪንግ] ተባሂሉ ዝፍለጥ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝተራእየ ናይ ተቓውሞ ናዕቢ ብዝመሳሰል ኩነታት ንምሕማስ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ ኢሉ።

ንሱ ምስ ናይ ግብጺ መዘንኡ ዓብደልፋታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ርእሰ-ከተማ ግብጺ ካይሮ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን`ዩ ነዚ ተዛሪቡ።

ኣል በሽር፡ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ካብ ዝጅመር፡ ንኻልኣይ ጊዜኡ`ዩ ዝገይሽ ዘሎ።

እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋታት ሕብስትን ነዳድን`ኳ እንተተበገሰ፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ግን ናብ ቁጠዐ ኣብ ልዕሊ ሰላሳ ዓመት ምምሕዳር ኣልበሽር ሰጊሩ`ሎ።

ሰልፈኛታት ድማ `ህዝቢ ውድቀት ናይ`ቲ ስርዓት ይደሊ ኣሎ` ክብሉ ተሰሚዖም። እዚ ጭርሖ`ዚ ካብ`ቲ ኣብ 2010 ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ኲናት ሓድሕድ ዘስዓበ ማዕበል ሰልፍታት ተቓውሞ ዝተወርሰ ጭርሖ`ዩ።

ኣብ ግብጺ ድማ ዓሰርተ ሸሞንተ መዓልታት ዝወሰደ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣብ ለካቲት 2011 ንፕረሲደንት ሑስኒ ሙባረክ ካብ ስልጣን ክእለ ቀሲቡ`ዩ።

ኣብ ሱዳን ግን ከምኡ ዓይነት ፈተነታት ኣብ`ቲ እዋን`ቲ ተጨፍሊቖም`ዮም።

ብሓሙስ ኣብ 50 ዝተፈላለዩ ቦታታት እታ ሃገር ተቓውሞታት ከምዝተገበሩ ኣወሃሃድቲ ይዛረቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብሓሙስ ኣብ 50 ዝተፈላለዩ ቦታታት እታ ሃገር ተቓውሞታት ከምዝተገበሩ ኣወሃሃድቲ ይዛረቡ

ኣብ`ታ ሃገር ሽግራት ከምዘለዉ`ኳ እንተኣመነ፡ ዕብየቶም ግን ከምቲ ብማዕከናት ዜና ዝንገረሎም ኣይኮኑን ኢሉ ፕረሲደንት በሽር ኣብ መደርኡ።

ሓደ ሓደ ናይ ደገ ጋዜጠኛታት ኣብ`ታ ሃገር ንዘሎ ኩነታት ከይጽብጽቡ ተኣጊዶም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ኣብ`ታ ሃገር ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ኣል ጀዚራ፣ ኣናዶሉስ ናይ ቱርኪን ቴለቪዥን ኣል ዓረቢያ ናይ ሱዕዲ ዓረብን ናይ ስራሕ ፍቕቃዶም ተሓዲጎም።

ኣብ`ቲ ክሳብ ሕጂ ኣንጻር ኣል በሽር ካብ ዝተኻየዱ ተቕውሞታት እቲ ዝዓበየ ዝተባህለ ብሓሙስ ዝተኻየደ ናይ ተቕውሞ ሰልፊ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ነቲ ናይ ተቕውሞ ሰልፍታት ኣብ ምቕላስ መሪሕ ተራ ዝጻወት ዘሎ ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳናውያን ድማ ሓያሎ ናይ ተቕውሞ ሰልፍታት ክግበሩ ጸዊዑ`ሎ።

ብሰንበት ድማ ፖሊስ ኣብ ኻርቱም ንዝርከቡ ኣደባባያት ብምጭቃው ንሰልፈኛታት ክዓግቱ ምፍታኖም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ንማዕከን ዜና ኤ ኤፍ ፒ ሓቢሮም።