ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ሓያል ተቓውሞ ይገጥሞ'ሎ

ሰልፈኛታት ኣብ ሱዳን፤ ጥሪ 29-2019

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ልዕሊ`ቶም ኣንጻር መንግስቲ ኣልበሸር ተቓውምኦም ዘስምዑ ዘለው ሰልፈኛታት ዘንብዕ ትኪ ደርብዮም ከም ዝበተንዎም ተፈሊጡ።

እዚ ኻልኣይ ወርሑ ዝሓዘ፡ ብናህሪ ዋጋታት ባኒን ነዳድን ካልእን ዝተበገሰ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ፕረዚደንት በሺር ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ እዩ ዝጠልብ።

ፕረዚደንት በሽር ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘስመዖ ዘረባ፡ እዚ ተቓውሞ፡ ኢድ ሓይልታት ግዳምን ተቓወምቲ ሓይልታት ዳርፉርን ከም ዘለዎ ጠቒሱ።

ሰበ-ስልጣን ሱዳን ከም ዝሕብርዎ፡ እዚ ተቓውሞ ካብ ዝጅምር ኣስታት 26 ሰልፈኛታት ከም ዝሞቱ ከመልክቱ እንከለው፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ልዕሊ 40 ሰባት ከም ዝሞቱ ይዛረቡ።

ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ትማሊ ሰንበት ኣብ ካርቱም ኣብ ዝስመዖ ዘረባ፡ ሞት ናይ ሰልፈኛታት፡ ሰሊኾም ብዝኣትው ጸላእቲ ከም ዝፍጸም ኣመልኪቱ።

''ገሊኦም ሰባት ኣብ መንጎ ሰልፈኛታት ኮይኖም ሰባት ይቐትሉ ኣለው'' ኢሉ።

ሰልፈኛታት ኣብ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

ትማሊ ሰንበት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት፡ ኣብ እምዱርማን ናብ ዝርከብ ህንጻ ባይቶ ሱዳን ከም ዝገስገሱ ተሓቢሩ።

እቶም ሰልፈኛታት ንፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጠልብ ወረቐት ጥርዓን ሒዞም ከም ዝነበሩን፡ ''ናጽነት፤ ሰላም ከምኡ'ውን ፍትሒ'' ዝብሉ ጭርሖታት የቃልሑ ከም ዝነበሩን ተፈሊጡ።

እንተኾነ ግን፡ እቶም ሰልፈኛታት ብሓይሊ ፖሊስ እታ ሃገር ከም ዝተበተኑን፡ ዘንብዕ ትኪ ከም ዘዝነቡሎም'ውን ተፈሊጡ።

ኣብቲ ሰልፊ ዝካየደሉ ዝነበረ ኣከባቢ፡ ልዕሊ 30 መካይን ኣባላት ጸጥታን ካልኦት ሲቪል ክዳን ዝለበሱ ሰባት ጽዒነን ከም ዝመጽኣ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሺር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ካርቱም፡ ኣብ ቡሪ፡ ባሕሪ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሸነኽ ምብራቕን ሰሜንን እታ ርእሲ ከተማ፡ ተቓዉሞ ከም ዝነበረ'ውን ተገ

ዳይሬክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሸናል ሳራ ጃክሰን ኣብ ዘውጸኣቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፡ ''ጠገለ ኣብ ዘይብሉ ቅትለት'' ተዋፊሮም ከም ዘለው ኣመልኪታ።