እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተመራመርቲ፡ ጸረ-ካንሰር መድሓኒት ዝሓዘ እንቋቍሖ ዝወልዳ ደርሁ ኣማዕቢሎም
ተመራመርቲ፡ መድሓኒት ነድሪ መላግቦን ካንሰርን ዝሓዘ እንቋቍሖ ዝወልዳ ደርሁ ።
እዚ ኣገባብ፡ ነቲ መድሃኒት ኣብ ፋብሪካ ንምስራሕ ካብ ዝወጽእ ወጻኢታት ብሚእቲ ግዜ ከም ዝሓስር እዞም ተመራመርቲ ሓቢሮም።
እዘን ደርሁ፡ ምስ ናይ ሕርሻ እንስሳታት ክነጻጸራ ከለዋ፡ ብሓለፋ ክንክን ከም ዝዓብያ ዝሓበረት ዶክተር ሊዛ፡ ኣብ ገፊሕ ደምበ ከም ዝነበራን ብጽቡቕ እናተመገባ እናሰተያን ብኽኢላታት ፍሉይ ክንክን ከም ዘግበረለንን ሓቢራ።
"እተን ደራሁ ከም ንቡር እንቋቆሖ የውድቓ ከምዘለዋ እየን ዝፈልጣ። ብዝኾነ መገዲ ንጥዕነአን ኣይጸልዎን" ትብል ዶክተር ሊዛ።
ተመራመርቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብስነተወርሶ (ጂን) ዝተመሓየሻ ኣጣል፡ ማናቲለን ደርሁን ብምፍራይ፡ ኣብ ጸበአንን እንቋቍሖን ናይ ፕሮቲን ፍወሳ (protein therapies) ከምዘፍረዩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ ተሞክሮ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዝሓሸ ውጽኢታውን ብዋጋ ኣዋጻእን ምዃኑ ይሕብሩ።
ዝበዝሑ ሕማምት፡ ብተፈጥሮ ኣብ ኣካላትና እኹል ከሚካል ወይ ፕሮቲን ስለ ዘይፈሪ እዩ ዝመጽእ።
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕማማት ከኣ ነቲ ዘየለ ፕሮቲን ዝሓዙ መድሃኒታት ብምውሳድ ምቁጽጻር ይከኣል እዩ።
እዞም መድሃኒታት እዚኣቶም ኣብ ፋበሪካታት ምስ ዝፈርዩ ኣዝዮም ክቡራት እዮም።
ዶክተር ሊዛን ጉጅልኣን፡ ኣብተን ደርሁ ነዚ ፕሮቲን ዝፍልፍል ናይ ሰብ 'ጂን' ብምእታው፡ እቲ ኣካላት ወዲ ሰብ ከፍርዮ ዝኽእል ፕሮቲን ኣብ እንቋቍሖ እዘን ደርሁ ከም ዝፈሪ እዮም ገይሮም።