ኢጣልያዊ ሚኒስተር፡ ፈረንሳ ንኣፍሪቃ ትምዝምዝ ኣላ ይብል

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ጣሊያን፡ ፈረንሳ ንኣፍሪቃ ትምዝምዝን ንዋሕዚ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት'ውን ተተባብዕን`ያ ኢሉ ብምውቃሱ ኣምባሳደር ኢጣሊያ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ቅድሚ ሰብ መዚ`ታ ሃገር ቀሪባ መብርሂ ክትህብ ተጸዊዓ።

ብምኽንያት ፈረንሳይ ኣብ ኣፍሪቃ እትኽተሎ ፖሊሲታት፡ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ`ታ ሃገር ማዕቀብ ከንብር ሉዊጂ ዲ ማትዮ ብሰንበት ጠሊቡ።

ፈረንሳይ `መግዛእታ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣየቋረጸትን ዘላ` ኢሉ ንሱ።

ጣልያንን ፈረንሳይን ቅድሚ ሕጂ`ውን ብጉዳይ ስደተኛታት ተጋጭየን ነይረን`የን። ጣልያን ማዕልቦ ኣሽሓት ዝበለጸ መነባብሮ ዝደልዩ ስደተኛታት`ያ።

ዓሚ፡ ጣልያን ካብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ዝደሓኑ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀልባታት ኣብ ወደባታ ከያኣትዋ ብምኽልካላ ፈረንሳይ ወቒሳታ ነይራ። ሰብ መዚ ጣሊያን ብወገኖም ፈረንሳይ ስደተኛታት ኣይትቕበልን`ያ ኢሎም ወቒሶማ።

እቲ መራሒ ናይ`ቲ ፋይፍ ስታር ሙቭመንት (ኤም5ኤስ) ዝበሃል ምስ`ቲ የማናይ ክንፊ ሊግ ኮይኑ ብልፍንቲ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ዝኾነ ሚስተር ዲ ማትዮ፡ ኣብ`ዚ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ማእከላይ ጣሊያን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን`ዩ ነቲ ወቐሳ ኣስሚዑ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክልተ መራኽብ ኣብ ባሕሪ መዲተራኒያን ብምጥሓለን 170 ስደተኛታት ከይሞቱ ኣይተርፉን ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን`ዩ ድማ እቲ ወቐሳ ዝስማዕ ዘሎ።

`ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ`ተን ንኣፍሪቃ ዘድክያን ህዝባ ክፈልሱን ዘገድዳ ዘለዋ ፈረንሳይን መሰልታን ሃገራት ማዕቀብ ከንብር ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ኣፍሪቃውያን ኣብ ኣፍሪቃ ክነብሩ ደኣ`ምበር ኣብ ኣብ ባሕሪ መዲተራኒያን ክጥሕሉ ኣይግብኦምን` ኢሉ ንሱ።

`ሰባት ብሰንኪ ሃገራት ኣውሮጳ`ዮም ዓዶም ገዲፎም ዝሃድሙ ዘለዉ፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ፡ ፈረንሳይ መግዛእታ ኣብ ልዕሊ ብደርዘናት ዝቑጸራ ሃገራት ኣፍሪቃ ፈጺማ ደው ኣየበለትን ዘላ` ድማ ኢሉ።

መግዛእታ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኣፍሪቃ ደው እንተተብሎ ነይራ፡ ፈረንሳይ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ብቑጠባ ኣብ ዓለም ኣብ`ዚ ዘላቶ ሻድሸይቲ ዘይኮነት ኣብ መበል 15 ምስተሰርዐት ነይራ ኢሉ ዲ ማትዮ።

ኣምባሳደር ኢጣሊያ ኣብ ፈረንሳይ ተሬዛ ካስታልዶ ድማ ብሰኑይ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቀሪባ ብዛዕቢ`ቲ ጉዳይ መብርሂ ክትህብ ተጸዊዓ።

ብመሰረት ሓበሬታ ማዕከን ዜና ጣሊያን ኣንሳ፡ `ፈረንሳይን ጣሊያንን ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኣውሮጳ ዘለወን ሽርክነት ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እቲ ወቐሳ ተጻባእን ዘይምኽንያታውን`ዩ` ኢሎም ዲፕሎማሲያውያን ምንጭታት ፈረንሳይ።

እቲ ብተወሳኺ ሚኒስተር ዕዮን ቁጠባን ዝኾነ ዲ ማትዮ ግን፡ ብዛዕባ`ቲ ዝበሎ ነገር ኣይተጣዓሰን። እኳ`ደኣ ፈረንሳይ ንቑጠባ እተን ባጤራ ሲ ኤፍ ኤ ፍራንክ ዝጥቀማ ሃገራት ኣፍሪቃ ትምዝምዝ ኣላ ክብል ብሰኑይ ወሲኹ ወቒስዋ።

ሲ ኤፍ ኤ ኣብ ኣዋን መግዛእቲ ፈረንሳይ ዝተኣታተወ ክሳብ ሎሚ ብፈረንሳይ ዝድገፍ ባጤራ`ዩ።

``ፈረንሳይ ሓንቲ ካብተን ባጤራ 14 ሃገራት እናሕተመት ቁጠባ`ተን ሃገራት ንኸይዓቢ ዝገብራ ሃገራት`ያ። በዚ ድማ ዜጋታት እተን ሃገራት ዓዶም ገዲፎም ኣብ ዝስደድሉ እዋን ድማ ወይ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ይሞቱ ወይ ድማ ናብ ገማግም ባሕርና ይመጹ` ኢሉ።

`ኣውሮጳ ተባዕ እንተ ኾይና፡ ንጉዳይ ዳግመ-ምሕራር ኣፍሪቃ ብትብዓት ክትገጥሞ ይግብኣ` ድማ ኢሉ።

ዋላ`ኳ ፈረንሳይ ባጤራ ሲ ኤፍ ኤ ፍራንክ ዋሕስ ፊናንሳዊ ርግኣት`ዩ እንተበለት፡ ካልኦት ግን ከም መግዛእታዊ ቅርሲ`ዮም ዝርእይዎ።

ዓለም-ለኻዊ ውድብ ፍልሰት (ኣይ ኦ ኤም) ኣብ`ተን 16 ቀዳሞት መዓልታት ናይ 2019 ጥራይ፡ 4,216 ስደተኛታት ባሕሪ ሰጊሮም ኣውሮጳ ከምዝኣተዉ ሓቢሩ። እዚ ድማ ዓሚ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ካብ ዝሰገሩ ቁጽሪ ስደተኛታት ልዕሊ ዕጽፊ እዩ።

"ወደባት ኣውሮጳ ክፉታት ክሳብ ዝኾኑ፡ እቶም ኣስገርቲ ደቂ ሰባት ስርሖምን ሰብ ምቕታልን ክቕጽሉ`ዮም" ኢሉ እቲ ካልኣይ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ጣሊያን ዝኾነ ማተዮ ሳልቪኒ ድሕሪ`ቲ ሎሚ ቅኒ ዘጋጠመ ሞት ስደተኛታት ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፉ።