እስራኤል ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ነቑጣታት ኢራን ደብዲባ

ምክልኻል እስራኤል ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ነቑጣታት ኢራን ከም ዝደብደበ ኣፍሊጡ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ እቲ መጥቃዕቲ ንፍሉይ ሓይሊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዕላማ ዝገበረ ከም ዝኾነ እኳ እንተገለጹ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃቡን።

ሶኑይ ንጎሆ ኣብ ጥቓ ደማስቆ ደብዳብ ከም ዝነበረ ዝገልጹ ሓበሬታታት ግን ኣለዉ።

መራኸቢ ሓፋሽ ሶርያ፡ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር "ንመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል" ከም ዝመከቱ ገሊጹ'ዩ።

ብሰንበት፡ ሓይልታት እሰራኤል ብልዕሊ ጎቦታት ጎላን ንዝተተኮሰሉ ተወንጫፊ ከም ዘፍሸለ ገሊጹ ነይሩ።

ብዛዕባ እቲ ስርሒት እንታይ ንፈልጥ?

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብዛዕባ እቲ ስርሒት ዝገለጹ፡ ሰኑይ ንጉሆ ኣብ ትዊተር እዩ።

ብመንግስቲ ዝውነን ናይ ሶርያ ዜና ወኪል ሳና፡ ንሓደ ወተሃደራዊ ምንጪ ብምጥቃስ፡ ሓይሊ ኣየር ሶርየ ንመብዛሕትኦም "ተጻባእቲ ተወንጨፍቲ" ወቒዑ ከም ዘውደቐ ኣመልኪቱ።

ዓዲ እንግሊዝ ዝመደብሩ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ዝከታተል ትካል፡ ናይ እስራኤል ተወንጨፍቲ "ንከባብታት ዋና ከተማ ደማስቆ" ዕላማ ዝገበሩ እዮም ኢሉ።

ኣብ ደማስቆ ዝርከቡ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ከቢድ ድምጺ ነትጒ ከም ዝሰምዑ ይዛረቡ።

እቲ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዝከታተል ትካል ጸኒሑ ከም ዝገለጾ፡ ብኢራንን ብኢራን ዝድገፍ ምንቅስቓስ ሕዝቦላህን ዝውንንዎም መኽዝናት ኣጽዋር፡ ብተወንጨፍቲ እስራኤል ተወቒዖም ተደምሲሶም።

ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝወረደ ጉድኣት ከም ዘሎ'ውን እቲ ትካል ገሊጹ።