መራሕቲ ኣፍሪቃ ንተዓዋቲ ምርጫ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ይሰዱ

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ውጽኢት መረጻ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ `ዓቢ ጥርጣረታት` ከም ዘለዎ`ኳ እንተገለጸ፡ መራሕቲ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ንፈሊክስ ቺሰከዲ ኣብ`ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ መረጻ ተዓዊቱ`ዩ ኢሎም ዮሃና ኢሎሞ።

ቅዋማዊ ቤት-ፍርዲ እታ ሃገር ድማ፡ ተቓናቓኒ ዝኾነ ማርቲን ፋይሉ ንዘቕረቦ ጥርዓን ብምንጻግ ቺሰከዲ ተዓዊቱ`ዩ ዝብል ብይን ሂቡ።

ፋዩሉ ግን ቲሸከዲ ምስ ፕረሲደንት ጆሴፍ ካቢላ ውዕል ገይሩ`ዩ ይብል። ጉጅለ ቺሰከዲ ግን ነዚ ጠቐነ`ዚ ይነጽጎ።

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን፤ ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፖሳን፡ ናይ ዮሃና መላኽትታቶም ንቲሸከዲ ሰዲዶም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ራማፎሳ ኩሎም ሸነኻት `ንብይን ናይ`ቲ ቅዋማዊ ቤት-ፍርዲ ከኽብሩን ኣብ ጉዕዞ ምድራዕ ሰላም መብጽዓ ክኣትዉን` ተማሕጺኑ።

እቲ ብሳድክ ዝፍለጥ ምትእኽካብ ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ`ውን ንዓወት ሚስተር ቲሸከዲ ብምቕባል፡ ኩሎም ዜጋታት`ታ ሃገር እዚ ሓድሽ ፕረዚደንት ኣብ`ታ ሃገር `ሰላም፣ ሓድነትን ምርግጋእን` ንምምጻእ ኣብ ዝገብሮ ጻዕርታት ክድግፍዎ ተማሕጺኑ።

እቲ ንሰኑይ ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ናብ`ታ ሃገር ክሰድድ ወጢኑ ዝነበረ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ነቲ ውጥን ኣወንዚፍዎ`ሎ።

እቲ ቤት-ፍርዲ ብይን ካብ ምሃብ ክቑጠብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዓርቢ ተማሕጺኑ ነይሩ።

ማርቲን ፋዩሉ እንታይ`ዩ ዝብል ዘሎ?

እቲ ብኮሚሽን መረጻ ኣብ`ቲ ናይ 30 ታሕሳስ መረጻ ካልኣይ ኮይኑ ተዓዊቱ ዝተባህለ ማርቲን ፋዩሉ `ሕጋዊ` ፕረዚደንት`የ ይብል።

ኣብ`ቲ መረጻ ምትላል ነይሩ`ዩ ዝብሉ ጠቐነታት፡ ነታ ደራኺት ዝኾነት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ሓዊስካ ብገለ ተዓዘብቲ መረጻ ደገፍ ኣለዎም።

ሚስተር ፋዩሉ ደገፍቱ `ሉኣላውነት ሃገሮም ንምኽባር ኣብ መላእ ሃገር ዘይጎንጻዊ ተቓውሞታት` ክውድቡ ጸዊዑ።

ርእይቶ`ቲ ቅዋማዊ ቤትፍርዲ እንታይ ይመስል?

እቲ ቤት-ፍርዲ ሚስተር ፋዩሉ እቲ ኮሚሽን መረጻ ናይ ሓሶት ውጽኢት ከምዘቃልሐ ዘርእይ መርትዖ ኣየቕረበን ኢሉ። ሚስተር ቺሰከዲ ብውሑድ ብልጫ ተዓዊቱ `ፕረዚደንት ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ` ምዃኑ ድማ ኣዊጁ።

ሚስተር ቺሰከዲ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልታት ቃለ-መሓላ ክፍጽም ትጽቢት ይግበረሉ።

ለውጢ መሪሕነት ኣብ`ታ ሃገር ወትሩ ብነውጺ ዝተሰነየ`ዩ። እዚ ናይ ሕጂ ምስሕሓብ ድማ እታ ሃገር ኣብ 1960 ካብ በልጂም ናጽነታ ካብ እትረክብ ኣትሒዙ ናይ ፈለማ ዝኾነ ስርዓት ዝሓዘ ምስግጋር ስልጣን ክህሉ`ዩ ንዝብሉ ተስፋታት ድሮ ኣጸልሚትዎም ይርከብ።

እቲ ናይ 30 ታሕሳስ መረጻ`ኸ?

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኮሚሽን መረጻ ሚስተር ቺሰከዲ 38.5 ሚእታዊ ሚስተር ፋዩሉ ድማ 34.7 ሚእታዊ ድምጺ ከምዝረኸቡ ገሊጹ።

ተወዳዳሪ ናይ`ቲ ኣብ ስልታን ዘሎ ውድብ ዝኾነ ኣማኑኤል ሻዳሪ ድማ 23.8 ሚእታዊ ድምጺ ረኺቡ።

ሚስተር ፋዩሉ ግን ሚስተር ቲሸከዲ ምስ`ቲ ን18 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ካቢላ ውዕል ኣትዩ`ዩ ይብል።

ካቢላ ንሳልሳይ እዋን ንፕረሲደንትነት ክወዳደር ቅዋም`ታ ሃገር ኣየፍቅደሉን`ዩ።

እቲ መረጻ ኣብ 2016 ክግበር`ኳ እንተነበርሮ ብሕጽረት መሳለጥያታት ብተደጋጋሚ ክውንዘፍ ከምዝጸንሐ ሰብ መዚ`ታ ሃገር ይገልጹ።

ኣብ መዓለቲ መረጻ ተደጋጋሚ ምድንጓያት ነይሩ። ኣብ ሓደ ሓደ መድመጺ ነቑጣታት ድማ እተን ሓደስቲ መድመጺ ማሽናት ክሰርሓ ዘይምኽኣልን ድማ ካልእ ተወሳኺ ብድሆ ኮይኑ ነይሩ።

ጉድለት ጸጥታን ተላባዕቲ ሕማማትን ብዝብል ምኽንያታት ኣብ ገለ ቦታታት ምድንጓይ መረጻ ብምንባሩ፡ ቀቅድሚ'ቲ መረጻ ዝነበረ እዋን'ውን ብጎንጺ ዝተሰነየ'ዩ ነይሩ። ካብ 40 ሚሊዮን ኣድመጽቲ ድማ 1.26 ሚሊዮን ኣድመጽቲ በቲ ምድንጓይ ተተንኪፎም'ዮም።

ካልኦት'ከ እንታይ ይብሉ?

እቲ ወግዓዊ ቁጽሪ ውጽኢት መረጻ በታ ኣብ መላእ ሃገር 40 ሽሕ ተዓዘብቲ ኣዋፊረ ነይረ ኣትብል ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሮም ዓለም-ለኻውያን ክኢላታትን መንግስታት ፈረንሳይን ጀርመንን ድማ ኣብ ውጽኢት'ቲ መረጻ ጥርታረታት ኣለዎም።

ናብ ምስ ሓደ ኣብ ኒው ዮርክ ዝመደበሩ ኮንጎ ሪሰርች ግሩፕ ተባሂሉ ዝፍለት ለጋሲ ምኽሪ ዝሰርሑ ከም ፋይናንሻል ታይምስ ዝኣመሰሉ ጋዜጠኛታት ልሒኹ ዝወጸ ጸብጻብ ድማ ሚስተር ፋዩሉ ከምዝተዓወተ ኣርእዩ።