ኣብ ዚምባብወ ብሰንኪ ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ ተቓውሞ ተወሊዑ

ኣብቲ ዓመፅ ንዝተቓፀለ ጎማ ካብ መገዲ ዝኣልይ ኣባል ፖሊስ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ዓመፅ ንዝተቓፀለ ጎማ ካብ መገዲ ዝኣልይ ኣባል ፖሊስ

ኣብ ዚምባብወ፡ መንግስቲ ዋጋ ነዳዲ ብልዕሊ ክልተ ዕፅፊ ክውስኽ ብምግባሩ ኣብ ዝተወለዐ ጎንፂ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብ ጎደናታት ከተማታት ሃራሬን ቡላዋዮን ኣብ ዝነበረ ሰልፊ ተቓውሞ ድማ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም።

ተቓወምቲ፡ ጎማታት መኻይን ብምቅፃል፡ መገዲታትን ኣውቶቡሳት ዝጓዓዛሎም መስመራትን ክዓፅዉ ተራእዮም።

ፕረዚደንት ምናንግዋ ከም ዝበልዎ እንተኾይኑ፡ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ምውሳኽ ዝተገበረ፡ ነቲ መንቀሊ ሕፅረት ነዳዲ ዝኾነ ልዑል ኣጠቓቕማን ዘይሕጋዊ ንግድን ንምቁፅፃር'ዩ።

መንግስቲ ዚምባብወ ነቲ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ዘይርከብ ቁጠባ ሃገሩ መሊሱ ንምብርባር ይፍትን ምህላዉ ይዝረብ።

መጠን መሃያ ዜጋታት ብዝነበሮ ኣብ ዝቐፀለሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ናህሪ ዋጋ ግን ብዝለዓለ መጠን እናወሰኸ መፂኡ'ሎ።

ሚንስትር ፀጥታ ዚምባብወ ኦውን ኩቤ፡ ኣብቲ ዓመፅ ዘጋጠመ ሞት ከም ዘሎ እንተረጋገፁ'ኳ፡ ዝገለፅዎ ቁፅሪ ግን የለን።

መሪሕነት ተቓወምቲ ሰልፍታትን ጉጅለታት ፖለቲካዊ መሰላትን ነቲ ዓመፅ ከም ዘለዓዓሉ ብምሕባር፡ ምፃራይ ይካየድ ከም ዘሎ ገሊፆም።

ተቓወምቲ ኣብ ከተማ ቡላዋዮ መገዲ ዓፅዮም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ተቓወምቲ ኣብ ከተማ ቡላዋዮ መገዲ ዓፅዮም

ዚምባብወ ብዝለዓለ ደረጃ ሕፅረት ዶላር ኣሜሪካ ዘጋጠማ ኮይኑ፡ እቲ ምስ ዶላር ማዕረ ክኸውን ዝተሓሰበ ሰነድ ልቓሕ እታ ሃገር'ውን ዓቕሙ ከም ዝደኸመ ይግለፅ።

እቲ ሰነድ ልቓሕ ወይ ድማ "ዳላራት" ዋግኡ ክስእን ዝኸኣለ፡ ንዕኡ ክድግፍ ትፅቢት ዝግበረሉ ሸርፊ ወፃኢ ሕፅረት ስለዘጋጠሞ እዩ። በዚ ምኽንያት ምስ ዶላር ኣሜሪካ ዝነበሮ ተቐራራቢ ዓቕሚ ወሪዱ ኣሎ።

ኣብታ ሃገር ዝርከባ ፋብሪካታት እውን ንጠለባት ዜጋታት ዝመልእ ፍርያት ከፍርያን፡ ሰደድ ብምግባር ሸርፊ ወፃኢ ከእትዋን ኣይከኣላን። በዚ ምኽንያት ካብ ሰደድ ብዝዛየደ ካብ ደገ እትእትዎ እናበዝሐ ብምምፅኡ፡ ንክትኸፍሎ ኣብ ዘፀግም ዕዳ እናጠሓለት ትርከብ።