እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓድሽ ዓመት 2019፡ ትምኒት ሰላም ብቓልን ተግባርን
ደቂ ሰባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዲሽ ዓመትን ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ህዝባውን ሃይማኖታውን በዓላት ንዓመትኡ፡ ፈጣሪ ከየሽረፈ - ከየጉደለ፡ ከይቆርመመ - ከይሸርመመ፡ ብምሉእ ጥዕናን ቅሳነትን ሰላምን መስተርሆትን ከጽንሖምን ዳግም ክኣኻኽቦምን፡ እታ ዝኣትዉዋ ሓደስ ዓመት ከኣ፡ ዓመተ ሰላምን ዕቤትን ፍቕርን ሕውነትን ክትኮነሎም ይምነዩ።
ከም ኩሉ ደላይ ሰላም ዜጋታት ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ኣብ ቤቶምን ስደትን ዝርከቡ ዜጋታት እዛ ዓለም ብምኽንያት ሓዲሽ ዓመት 2019 መልእኽቲ ምዕባለን ሰላምን ከሕልፉ ጸኒሖም ኣለው።
ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ዘዘራረብናዮም ገለ ኤርትራውያን ድማ ብዛዕባ ዓዶም ዝምነዩዎ ተስፋን ትንቢትን ገሊጾምልና።
ክብረት ፍስሃየ ካብ ለንደን፡ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ 2018፡ ን20 ዓመታት ዝተናፈቐን ዝተጸምአን ሰላም ኣበሲራ፡ አሕዋት ጎረባብቲ አህዛብ ንሓድሕዶም ክበጻሕጽሑ ብምብቃዓ ሓጎሳ ወሰን ከምዘይብሉ ትገልጽ።
"እቲ ኣብ 2018 ምስ ጎረባብትና ዝተጀመረ ዕርቀ ሰላም፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ሓድሕድናን ምስ መንግስትናን ዕርቀ ሰላም ጌርና ብሰላምን ቅሳነትን ክንነብርን፡ መንግስትና ከኣ ንእሱራት ብሕድገትን ምሕረትን ፈቲሑ ምሉእ ሰላም ክእውጅ እምነ" ኢላ።
መንእሰይ ሰዓረ ምኪኤል ካብ ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ንልዕሊ ፍርቂ ዘበን ኣብ ኩናትን ከርተትን ከም ዘሕለፉዎን ብምዝኽኻር፡ "ደጊም ድሕሪ 20 ዓመት ወጥርን ጽልእን ምስ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ብዘሎ ዕርቀ ሰላም ልዑላውነትና ኣኽቢርና፡ ዶባትና ሓንጺጽና ንሓድሕድና ተኸባቢርና ክንነበር እምነ" ክብል ክልቲአን ሃገራት ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ዕድል ብልዑል ክንክንን ፍቕርን እናጓሰያ ናብ ልምዓትን ምዕባለን ክጥምታ ተስፍዩ።
ነዚ ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ኣብ ዶባት ዛላምበሳን ሰርሓን፡ ራማን ክሳድ ዒቃን ኣጋጢሙ ዘሎ ምዕጻው ዶባት ብዝምልከት ከኣ፡ ስርዓታት ኣብ ዶባት ልኡላዊ መሬቶም ብሓባር ዘስርሖም ሓባራዊ ቅጥዕን ኣሰራርሓን ከተኣታትዉ ቅቡልን ሕጋውን ምዃኑ ይዛረብ።
ክልቲኦም መንግስታት ተዛትዮምን ተማኺሮምን ንድሌታት ህዝቦም ዘዕግብ ኣገባብን ቅጥዕን ከምዝሰርሑ ምሉእ እምነት ከምዘለዎ ሓቢሩ። ቀጺሉ ሰዓረ፡ ክልቲኦም አህዛብ ብኹናት ስለዝደኸሙን ዝደመዩን፡ ነዚ ድሕሪ 20 ዓመታት ወጥሪ ንዝተረኽበ ሰላም ኾሊፎም ደጊሞም ናብቲ ከቢድ ዋጋ ዘኽፈሎም ኩናትን ወጥርን ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም ኢልካ ምሕሳብ ፈጺሙ ከምዘይከኣል ይኣምን። "እዚ ናይ ሕጂ ምዕጻው ዶባት ክሳብ ዘስርሕ ቅጥዒ ዝተኣታቶ ግዝያዊ እዩ" ብማለት ብምሉእ ነብሰ ምትእምማን ይገልጽ።
ኣድያም ጎይትኦም ካብ እስራኤል፡ "ኤርትራውያን ኣብ ስደት ተኸላቢትና ኢና። ከምቲ እስራኤላውያን ድሕሪ 400 ዓመታት ስደትን ከርተትን ካብ መቚሕ ግብጻውያን ተላቒቖም ናብ ምድረ ከነኣን ተመሊሶም ድሕሪ ካልእ መሪር ከርተትን ስደትን ስቓይን ዳግማይ እስራኤል ዝሃነጹ፡ ንሕና ኤርትራውያን እውን ኣብ ሃገርና ንኹሉ ዘሳትፍ ደሞክራሲያዊ ቅዋማዊ ስርዓት እንተተመስሪቱ ከካብ ምድረ ስደትና ተመሊስና ሃገርና ዘይነልምዓሉ ምኽንያት የሎን" ብምባል እቲ ራኢ ክፍጸም ነዊሕ ከምዘይከውን ይትስፎ።
መራሕቲ ዓለምን ሃይማኖትንከ እንታይ ተመነዩ?
መራሕቲ መንግስታት፡ ሃይማኖታውያን ኣቦታት፡ በብወገኖም ንህዝቦምን ጎረባብቶምን መግለጺ ሰናይ ድሌት መልእኽቶም የመሓላልፉ።
ንዜጋታቶም ዕቤትን ብልጽግናን ሰላምን መስተርሆትን ይምነዩሎም። ትምኒት ጥራሕ ዘይኮነ ግን መራሕቲ መንግስትን ስርዓታትን፡ ንድሌትን ጠለባትን ህዝቦም ብሰናይ ምሕደራን ከገልግሉዎም ምዃኖም ቃል ይኣትዉ።
መራሕቲ እምነታት ከኣ ንተኸተልቶም ብጸሎትን ቡራኬን ከም ዝዝክሩዎም ብቃለ ኣምላኽ ይዛረቡ።
ንኣብነት፡ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ቫቲካን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ፡ ብ21 መስከረም ኣብ ዝተኸብረ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰላም፡ ባሕቲ ጥሪ ዓመተ 2019 "ቅርዑይ ፖለቲካ ንኣገልግሎት ሰላም" ብዝብል ቴማ ክትክበር ንኹሎም ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ዓለም መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ንሶም ኩሉ ዓለማዊ ዜጋ ፖለቲካዊ ግዴታን ግቡእን ከም ዘለዎ ብምዝኽኻር፡ ብፍላይ መራሕቲ መንግስታት ዝምልከቶም ሰበስልጣናትን ኣብዛ ዓለም ንዝረአ ኩሉ ዓይነት ሕሰም፡ ከም ንግድ ሰባትን ጊላነትን፡ ንግድ ኣጽዋርን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ዝኣመሰለ ነገራት ክውገድ ክጽዕሩ ኣዘኻኺሮም።
"ደቂ ሰባት ክብርን መሰልን እንተረኺቦም ንሳቶም እውን ክብርን መሰልን ካልኦት ንምሕላው ቅሩባት ስለዝኾኑ ክብሪ ዜጋታት ዓለም ይተሓሎ" ኢሎም።
ቀጺሎም፡ ዓለም ብፍቕርን ሕውነትን ምስ እትነብራ ስለእትምቅር መራሕቲ ሃገራት ንእሱራት ፖለቲካን ሕልናን ምሕረትን ሕድገትን ክገብሩ ጸዊዖም። ሓዲስ ዓመት 2019 ከኣ በዚ መንፈስ እዚ ክትበዓል ንመትከላት ሰላምን ምርግጋእን ምሕረትን ሕድገትን ከተንጸባርቕን ምእንቲ ዝምልከቶ ኩሉ ክስርሓላ ኣተሓሳሲቦም።
መራሒ ቻይና ፕረዚደንት ጂ ጂንፒንግ፡ ቻይና ኣብ 2019 ምስ ክብረታን ልዑላውነታን ንማሕበረ ሰብ ዓለም ክፍቲ ከም እትኸውን ሓቢሩ።
"ዓለምና ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ምዕባለ ትዓብን ትብልጽግን ኣላ። ቻይና ከኣ ክብረታን ልዑላውነታን ብምዕቃብ ንኩለንትናዊ ቁጠባዊ ምዕባለን ሰላምን ምርግጋእ ዓለምና ዝከኣላ ከተበርክት እያ" ብምባል ኣብ 2019 ቁጠባውን ጸጥታውን ኩነታት ዓለምና ብዝለዓለ ክረጋጋእ ተመንዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ብወገኑ፡ ናብ ዝርዝር ከይኣተወ " ዓመተ 2019 ዝሓሸት ዓመት ክትከውን እያ!" ብምባል ንዜጋታት ኣመሪካ " ተሓጎሱ በዓል ሓዲስ ዓመት ብጸጋ ኣብዕልዎ!" ኢሉ።
ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከል፡ "ከም ምቅይያር ኩነታት ኣየር፡ ግብረ ሽበራን ስደትን ዝኣመሰለ ዓለማዊ ሽግር፡ ብሕብረት እምበር ብውልቀ ሃገራት ስለዘይፍታሕ ጀርመን ኣብዚ ዓውዲ እዚ እጃማ ክትጻወት እያ" ኢላ።
ኣስዒባ፡ ሕብረተሰብ ንዝተሰረተ እናነደቐን እናዐረየን እንተተጓዒዙ ጥራሕ ከምዝዕወት ብምዝኽኻር ዓመተ 2019 ዓመተ ሰላምን ዕቤትን ክትከውን ተመንያ። መልእኽቲ ኩሎም መራሕቲ ሃገራትን መራሕቲ ሃይማኖትን በብሓደ እውን እንተዝትንተን ካብዚ ሓፈሻውን ሰላማውን መልእኽቲ ዝፍለ ኣይክህልዎን እዩ።