ኣብ ሞያሌ ነንሕድሕዶም ዝካሰሱ ዘለው በዓል መን'ዮም?

ኢትዮጵያ ምስ ኬንያ ኣብ ዘዋስና ከባቢ እትርከብ ከተማ ሞያሌ፡ ግጭት፣ ሞትን ምምዝባል ሰባትን ምስማዕ ልሙድ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ ይመስል።
ነበርታ ብፍርሒ ተሸሚሞም ምንባር ካብ ዝጅምሩ ድማ ኣዋርሕ ተቖጺሮም።
መንግስቲ "ብስሕተት ዝተፈጸመ'ዩ" ብዝበሎ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 10 ንጹሃት ዜጋታት ህይወቶም ዝሰኣኑላ ከተማ ሞያሌ፡ ተወለድቲ ኦሮሞን ሶማሌን ዝኾኑ መናእሰይ፡ ብሕቶ ይግብኣኒ መዓልታዊ ኣእማን ዝደራበዩላ ከተማ ኮይና ኣላ።
ብተወሳኺ ድማ ብመሳርሒ ዝተሓገዙ ሓይልታት ዝዋግኡላ፣ ሞትን ምምዝባልን ጎሊሑ ዝርኣየላ ከተማ ትኸውን ከም ዘላ ይዝረብ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ዝተኸሰተ ሓድሽ ግጭት፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም፣ ቖሲሎምን ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎምን።
ካብ መሰኻኽር ዓይኒ፣ መራሕቲ ዓሌትን ሰበ ስልጣን እታ ከተማን ከም ዝሰማዕናዮ፡ እንተወሓደ በዚ ዳግም ዝተልዓለ ግጭት ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 20 ሰባት ተቐቲሎም።
ኣብዚ ሰሙን ዝተወለዐ ግጭት፤ ኣብ ሞንጎ ቋንቋ ኦሮምኛ ተዛረብቲ ዝኾኑ ገሪ ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣባላት ዓሌት ሶማልን ኦሮሞን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ይግብኣኒ'ዩ።
ብወገን ኦሮሞ ዘለው ሓለፍቲ ወረዳ ሞያሌ፡ "ወሰን ሰጊሮም ብኸቢድ መሳርሒ ተሓጊዞም ጥቕዓት ዝፍፅሙ ዘለው ዕጡቓት ሶማል'ዮም" ይብሉ። ብወገን ሶማሌ ዘለው ከኣ ነቲ ዝበጽሕ ዘሎ ጥፍኣትን ጥቕዓትን ንዕጡቓት ኦሮሚያ ተሓተትቲ ይገብሩ።

ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣቶ ሙስጦፋ ዑመር፡ መበገሲ እቲ ግጭት እንተረድእ፡ ብምኽንያት መግሃጫ ካብ ስርዓት ሃይለስላሰ ጀሚሩ ግጭታት ይለዓሉ ምንባሮም ብምዝኽኻር፡ "ካብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ናብዚ ግን ኾነ ተባሂሉ ፖለቲካዊ ኸስቢ ተሓሲቡዎ ዝተጎሃሃረ ግጭት'ዩ" ኢሉ።
ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ተላዒሉ ዝነበረ ተቓውሞ መናእሰይ ኦሮሞ ንምድኻም፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ስልጣኑ ዝነበሩ ኣመራርሓ ሶማሌ፡ ፖሊስ ኣንቀሳቒሶም ኣብ መዋሰንቲ ከባቢታት ኦሮሞን ሶማሌን ከቢድ ጉድኣት ኣብጺሖም'ዮም ይብል ኣቶ ሙስጦፋ።
ቅድም ኢሉ ዝበጽሐ ጉድኣት ከቢድ ነይሩ። ካብ ክልቲኡ ወገን ዘለው በቲ ግጭት ዝተጎድኡ ሓይልታት፡ ቑትዐን ሕርቃንን ስለ ዘለዎም፡ እቲ ግጭት ክቕጽል ይገብሩ ኣለው።
''ሞያሌ ከም ሞቓድሾ''
ኣቶ ዓሊ ጠቼ ሓላፊ ቢሮ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኦሮሞ ወረዳ ሞያሌ'ዮም። "እታ ከተማ፡ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ብዙሕ ጸገማት ሒዛ ዝተሳገራት'ያ" ይብሉ።
በዚ ኣብ ቀረባ ጊዜ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ድማ፡ ንኣልሸባብ ተሓታቲ ይገብሩ።
"ኣልሸባብን ካብ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ሶማሌ ዝተገምዐ ሓይልን፡ ከቢድ መሳርሒ ብምጥቃም ንሞያሌ ከም ሞቃድሾ ይዘርግዋ ኣለው" ኢሎም።
ይኹን ደኣ'ምበር ኣልሻባብ ኣብቲ ጎንፂ ኢዱ ንምሕዋሱ ዝተወሃበ መረጋገፂ የለን።
እቲ ጉዳይ ንመንግስታት ክልልን ፌደራልን እንተፍለጡ'ኳ፡ እኹል ምላሽ ከም ዘይረኸቡን ኣብ ሞያሌ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል እውን እቲ ግጭት ጠጠው ምባል ከም ዘይኽኣለን ይዛረቡ።
መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለጺ፡ "ምኽንያት እቲ ግጭት ዝኾኑ ዘለው ሓይልታት ክልቲኡ ወገን 'ምርግጋእ ዘይደልዩ'ዮም" ብምባል፤ እቲ ጸገም ንክፍታሕ መንግስቲ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ በቲ ግጭት ዝተጎድኡ ሰባት ኣድላዪ ረድኤት ይቐርበሎም ዘይምህላው ኣመልኪቱ።
''ፖለቲካዊ ኲናት''
መራሒ ዓሌት ሶማሌ ዝኾኑ ሱልጣን ሞሐመድ ሓሰን፡ [ገሪን ኦሮሞን] ብትሕዝቶ መሬት ናብ ጎንፂ ይኣትዉ ምንባሮም ይዛረቡ።
"እዚ ግና ናይ ይግብኣኒ ዘይኮነ ፖለቲካዊ ኲናት'ዩ" ብምባል፡ ንዝበጽሕ ዘሎ ኪሳራ ዕጡቓት ኦሮሞ ተሓተትቲ ከም ዝኾኑ ገሊፆም።
"ወሰን ሰጊሮም ዝወግኡና ዘለው፡ ንሳቶም [ናይ ቦረና ኦሮሞ] እዮም። ንሕና ንርእስና ኢና ንከላኸል ዘለና። መሰልና ይድፋእ ኣሎ። ብዓበይቲ መሳርሒታት ዝወግኡና፣ ንብረትና ዘቃጽሉ ዘለው ንሳቶም'ዮም" ኢሎም።
ሱልጣን መሐመድ ከም ዝብሉዎ እንተኾይኑ፡ መንግስታት ፌደራልን ክልልን እቲ ግጭት ብዘተ ክፍታሕ ኣብ ሞያሌ ኣኼባ እንተጸውዑ'ውን፡ ተወከልቲ ኦሮሞ ኣብቲ ኣኼባ ኣይንርከብን ብምባሎም ግን ከይተራኸቡ ተሪፎም።
"ንሳቶም ኣብቲ ኣኼባ'ኳ እንተዘይተረኸቡ፡ ንሕና ሰላም ንደሊ ኢና ኢልና ተዛሪብና ኢና። ብድሕሪ እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኣኼባ ተጸዊዕና እቲ ኣባገዳ ከይመጽአ ተሪፉ። ዝመጽኡ ተወከልቲ ኦሮሞ ድማ 'ሰላም ኣይንደልን' ኢሎም ኸይዶም" ይብሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







