ሶማሌ ኢትዮጵያ፡ 700 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ጎንፂ ከም ዝተመዛበሉ ወኪል ስደተኛታት ኖርወይ ኣፍሊጡ

ጊዝያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, NRC

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ንደሓር ኣብ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ዓሌታዊ ጎንፂ ብምስጋእ ልዕሊ 200 ሽሕ ዜጋታት ከም ዝተመዛበሉ መግለፂ ወኪል ስደተኛታት ኖርወይ ኣመልኪቱ።

እዚ ቁፅሪ ስደተኛታት ድማ ነቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝነበረ መጠን ስደተኛታት ናብ 700 ሽሕ ከም ዘደየቦ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፡ መብዛሕቲኦም ካብ ክልል ኦሮሚያ ከም ዝመፁ የረድእ።

ብሰንኪ ሓደጋታት ድርቅን ውሕጅን ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ዝተፈናቐሉ ዜጋታት ክውሰኹ ከለዉ፡ ቑፅሪ ተመዛበልቲ ኣስታት 1.1 ሚልዮን ይበፅሕ ይብል እቲ መግለፂ።

ኤቭሊን ኤይሮ፡ ዞባዊ ኣማኻሪት ወኪል ስደተኛታት ኖርወይ (ኤን ኣር ሲ) "ኣብ ዶባት እቲ ክልል ምስ ኦሮሚያ ዝፍጠሩ ዓሌታዊ ጎንፅታት፡ ኣባላት ስድራ ናብተን ዝተጨናነቓ ግዜያዊ መፅለልታት ክውሕዙ ገይሮም። ቀረባት ኣብ ዝሓፀሩሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሓት ስድራ ናብቲ መፅለሊ መዓልታዊ ይውሕዙ" ኢላ።

"ሰባት ብሰንኪ ሕፅረት ረድኤት ይሞቱ ከም ዘለዉ ሓበሬታ ረኺብና'ለና" ዝበለት እዛ ዞባዊ ኣማኻሪት፡ ኣባላት ስድራ ቅልጡፍ ሓገዝ መግቢ ክረኽቡ ከም ዝግባእ ሓቢራ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝተፈናቐለ ሓረስታይ ዓብዲራሕማን ሞኣሊን "ክዳውንትና ጥራሕ ተሰኪምና ኢና ሃዲምና" ከም ዝበለ እቲ መግለፂ ሓቢሩ። ኣስታት 65 ሽሕ ተመዛበልቲ ኣብ ዝሓዘ፡ መዓስከር ኮሊጂ ምስ ስድርኡ ተዓቒቡ'ሎ።

"ኣብ ጥዕና ከቢድ ፀገም ኣሎ። ለባዳ ንፍዮ ተራእዩ እዩ። ህፃናት ብሰንኪ ንፍዮን ሕፅረት መግብን ይሞቱ ኣለዉ" ዝበለ ዓብዲራሕማን፡ ዓሶ'ውን ስለዘሎ መዓልታዊ ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊፁ።

ካብ ተመዛበልቲ ሓንቲ ዝኾና ኣደ ህፃን ሓቚፈን

ምንጪ ስእሊ, Norwegian Refugee Council

ኣብ ቀረባ ናብ ስልጣን ዝመፀ መንግስቲ እቲ ክልል፡ ወኪላት ረድኤት ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዛት ንከቕርባ ሓቲቱ'ሎ። ነቲ ቅልውላው ንምቅላል'ውን እናሰርሐ ይርከብ።

ኣብቲ ክልል ዝሰርሑ ዘለዉ ትካላት ረድኤት፡ እቲ ዘቕርብዎ ሓገዝ ንምስፋሕ እናሰርሑ'ዮም። ይኹን ደኣ'ምበር ንመንግስቲ ሓዊሱ፡ ኤን ኣር ሲን ካልኦት ትካላት ረድኤት የቕርቡ ኣብ ዘለዉሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ እኹል ዓቕሚ ኣይተረኸበን።

5000 ተፈናቐልቲ ስድራቤታት ፡ ኣብቲ ክልል ናብ ዝጣየሽ ሓድሽ ቦታ ንምውሳድ ምስ መንግስቲ ብምዃን ይስራሕ ምህላዉ እቲ መግለፂ የመልክት። እቲ መደብ ዕውት ንክኸውን ግን እኹል መፅለሊ፣ ማይን ካልኦት ቀረባትን ብዝድለ መጠን ክማልኡ ይግባእ።

ኤቭሊን ኤይሮ፡ ዞባዊ ኣማኻሪት ወኪል ስደተኛታት ኖርወይ "ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ዘጋጥም ዘሎ ዓመፅ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ቆላሕታ ኣይረኸበን። መንግስቲ ብነዊሕ ግዜ ዝፍፀም ፖለቲካውን ሰብኣውን መፍትሕታት ተግባራዊ ይገብር'ኳ እንተሃለወ፡ ለገስቲ መንግስታት ዓለም'ውን ቀላሕታ ክገብራን ዝገብርኦ ሓገዝ ክውስኻን ኣለወን"ክትብል ኣተሓሳሲባ።

ተመዛበልቲ ስድራ

ምንጪ ስእሊ, Norwegian Refugee Council