ሰነዳዊ ፊልሚ ተጠቒምካ መሰል ተኸሰስቲ ምንእኣስ ደው ይበል ተባሂሉ

ኢቢሲ

ምንጪ ስእሊ, EBC/Screenshot

ኣብ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት (ሂዩማን ራይትስ ዎች) ላዕለዋይ ተመራማሪ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ፊሊክስ ሆርን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰነዳዊ ፊልሚ ተጠቒሙ መሰል ተኸሰስቲ ካብ ምንኣስ ክቑጠብ ጸዊዑ።

ፊሊክስ ሆርን፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ብሃገራዊ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ዝተቓልሑ፡ ኣብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጉዳይ ኮርፖሬሽን ሓጺነ መጺንን ኢንጅነሪንግን (ሜቴክ) ዘድሀቡ ሰነዳዊ ፊልምታት ብምጥቃስ እዩ ነዚ ዝገለጸ።

"መንግስቲ፡ ሰነዳዊ ፊልሚ ተጠቒሙ ካብ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ናጻ ንዘይኮነ ፍርዲ፡ ህዝቢ ድጋፉ ክህብ ብምግባር፡ ተኸሰስቲ ፍትሓዊ ፍርዲ ናይ ምርካብ መሰሎም ዘናእስ፡ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ዝበለ ተግባር ከወግድ ይግብኦ" ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቅድም ክብል ከምዚ ዝኣመሰለ ስልቲ ይጥቀም ምንባሩ እውን እቲ ተመራማሪ ኣዘኻኺሩ።

"ውሳነ ካብ ፖለቲካዊ ጣልቃ ኣታውነት ናጻ ኮይኑ፤ ብመርትዖን ብሕግን እዩ ክወሃብ ዝግበኦ" ድማ ኢሉ ፊሊክስ።

ቅድም ክብል፡ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ጋዜጠኛታት ሕቶ ቀሪቡሎም ዝነበረ ኣብ ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባትን ኮሚዩኒኬሽንን ኣይተ ዝናቡ ቱኑ፡ ትሕዝቶ እቲ ኣብ ጉዳይ ሜቴክ ዘድሃበ ሰነዳዊ ፊልሚ፡ ካብቲ ናብ ቤት ፍርዲ ዝተለኣኸ ዝርዝር ገበን ዝተፈለየ ኣይኮነ ኢሉ።

እዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ከይዲ ፍትሒ ኢድ ከም ምእታው ዝቑፀር ኣይኮነን ዝብል መልሲ ሂቦም ነይሮም።