እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ምስ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝዛመድ ሕቶ ተላዒልዎ
ኣስታት ሚኢቲ ዝኾኑ ኣባላት ባይቶ ሶማልያ፡ ኣብ ፕረዚደንት አብዱላሂ ፋርማጆ እምነት ከምዝሰኣኑ ዝገልጽ እማመ ኣቕሪቦም።
እቲ ፕረዚደንት ካብ ሕጊ ወጻኢ ምስ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘይግቡእ ስምምዕ ፈጺሙ እዩ፡ ብዝብል እዮም እቶም ኣባላት ባይቶ ተቓውሞኦም ገሊጾም።
ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማሊያ ውጥረት ተፈጢሩ'ሎ።
ኣፈጉባኤ ባይቶ ሶማሊያ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ፋርማጆ ዝቐረበ እማመ ከምዝተቐበለ ኣረጋጊጹ'ዩ።
እቶም ኣባላት ባይቶ፡ ፕረዚደንት አብዱላሂ ፋርማጆ፡ ሕጊ ካብ ዝፈቕዶ ወጻኢ ምስ ኢትዮጵያን ኤርትራን ውህደት ንምፍጻም ሚስጥራዊ ስምምዕ ከቲሙ ብዝብል ይከስዎ።
እዚ ሕቶ ኣባላት ባይቶ፡ ኣዘራራቢ ኮይኑ'ሎ፤ እቲ እማመ ናብ ባይቶ ሶማሊያ ንዘተን ውሳነን ክቐርብ ድዩ ኣይክቐርብን ግን ዛጊድ ኣይተፈለጠን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልያን ምሕዝነቶም ብምጥንኻር ተኸታተልቲ ዘተታት ገይሮም እዮም።
ሓሙሽተ መስከረም ኣብ ኣስመራ ዝተራኸቡ መራሕቲ ሰለስቲኣን ሃገራት፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት አመልኪቶም ምስ ዘተዩ ስሉሳዊ ስምምዕ ምክታሞም ይዝከር።
ብድሕሪኡ'ውን፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ አፈወርቂ ከምኡውን ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ሞሓሞድ ኣብዱላሂ ብዓርብን ቀዳምን 9-10 ሕዳር፡ ኣብ ባህርዳር ኢትዮጵያ ተራኺቦም ንጥፈታት ስሉሳዊ ስምምዕ ከምዝገምገሙ ገሊጾም እዮም።