እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካናዳ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ጀስቲን ቱሩዱ፡ ኣብ ማእሰርቲ ዋንዣሁ ርእይትኡ ሂቡ
ሓላፊት ቻይናዊ ኩባንያ ህዋውይ ኣብ ካናዳ ብምእሳራ ነቲ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ቻይናን ዘሎ ቁጠባዊ ምስሕሃብ ከየጋድዶ ስግኣት ኣሎ።
ዝሓለፈ ቀዳም ሓደ ታሕሳስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካንኮቨር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወት መንግ ዋንዣሁ፡ ክሳብ ንፈለማ እዋን ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበትሉ ዕለተ ሮቡዕ መንግስቲ ካንዳ ብዛዕባ ማእሰርታ ከይገለጸ'ዩ ጸኒሑ።
ቀዳማይ ምኒስተር ጀስቲን ቱሩዶ ምምሕዳሩ ኣብ ምእሳር እታ ፈጻሚት ስራሕ ትካል ቴሌኮም ሁዋዌ ዝኾነ ኢድ ምትእትታው ከም ዘይብሉ ገሊጹ።
ቻይና ግን፡ እቲ ማእሰር ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኢዩ ብምባል ክፍተሕዋ ጠሊባ።
ክሳብ ሕጂ እቲ ክሲ እንታይ ከም ዝኾነ'ኳ እንተዘይተገለጸ፡ ኩባንያ ሁዋዌ ግን "መንግ ዝኾነ ዝኣበሰቶ ነገር የለን" ኢሉ።
እዚ'ውን ኾይኑ ግን፡ ሎሚ ዓርቢ ብዋሕስ ክትፍታሕ ትጽቢታት ኣሎ።
ማእሰርቲ መንግ ዋንዣሁ፡ ዝምድና ኣሜሪካን ቻይናን ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ኣብ ዘለሉ እዋንን ክልቲኤን ሃገራት ብቁጠባዊ ምስሕሓብ ኣብ ዝተቖረናሉን ነሓድሕደን ቢልዮናት ዶላራት ዘውጽእ ቀረጽ ኣብ ዝሰልዓሉ እዋን ምኻኑ፡ ዘለወን ምስሕሓብ ከይጋደድ ይስጋእ።
መንግ ዋንዣሁ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ዶናልድ ትራምፕን ዢ ጂንፒንግን ኣብቲ ኣርጀንቲና ዘአንገደቶ ጉባኤ ሃገራት ጉጅለ 20 ኣብ ዝተራኸቡሉን፡ ነቲ ቁጠባዊ ምስሕሓብ ንምእላይ ግዝያዊ ስምምዕ ኣብ ዝገብርሉን እዋን ኢያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ።
ኣቐድም ኣቢሎም ዝተዘርግሑ ዜናታት ከም ዝሕብርዎ፡ ማእሰርቲ መንግ ዋንዣሁ ምስቲ ኣሜሪካ፡ ሁዋዌ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተገበረ እገዳ ጥሒሱ ብምባል መርመራ ምጅማራ ዝተኣሳሰር ከይኮነ ኣይተርፍን ኢሎም።
እንተኾነ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ጆን ቦልቶን፡ ብዛዕባ'ዚ ብጋዜጠኛታት ኣብ ዝተሓተተሉ መልሲ ካብ ምሃብ ተቆጢቡ'ዩ።