እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣይተ ለማ መገርሳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዝበጽሐ ጉድኣት ይቕረታ ሓቲቶም
ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ለማ መገርሳ፡ ኣብ መዳውብቲ ከባብታት ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉምዝን ብዝተፈጠረ ጸገም ህዝቢ ስለዝተጎድአ ''ንህዝብና ይቕረታ ንሓትት'' ኢሎም።
ኣይተ ለማ፡ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ፖለቲካዊ ውድባት ኦሮሚያ እዮም ነዚ ተዛሪቦም።
ጎኒ ንጎኒ እቲ ዘተ፡ ውድባት ኦዴፓ፣ ኦነግን ኦፌኮን ኣብቲ ሎሚ ቕነ ዝተፈጠረ ዘይምርግጋእ ናይ ሓባር መግለጺ ሂቦም።
ኣብ መግለጺኦም፤ ኣይተ ለማ፡ ኣብ መዳውብቲ ከባብታት ምዕራብ ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉምዝን ኣብ ህዝቢ ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘሕዘኖም ድማ ገሊጾም።
ክንበጽሓሉ ኣብ ዝግበኣና ሰዓት ክንበጽሓሉ ስለዘይከኣልና ህዝቢ ንኸቢድ ጸገም ተቓሊዑ እዩ ኢሎም ኣይተ ለማ።
እቲ ጸገም ኣብ መንጎ ክልተ ክልላት ዝተፈጠረ ብምዃኑ፡ ምስ መንግስቲ ፌደራል ብምዃን ህዝቢ ዝቐተሉን ዘመዛበሉን ከምኡ ድማ ንብረት ዝዘመቱ፡ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።
"ንመጻኢ እውን ምስ ህዝብና ተመኻኺርና ብዙሕ ግልጺ እንገብሮም ነገራት ኣለዉና" እውን ኢሎም።
ኣቦመንበር ኦፌኮ ዶክተር መረራ ጉዲና ብወገኖም፡ ጸገማት ንምፍታሕ ህዝቢ ኦሮሞ ሓድነቱ ኣጠንኪሩ ደው ክብል ይግባእ ኢሎም።
ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኦሮሚያ እውን ቃልሲ ናይቲ ህዝቢ ንምዕዋት ካብ ኣፍ ብዝዘለለ ናብ ተግባር ክሰግሩ ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣቦመንበር ኦነግ ኣይተ ዳውድ ኢብሳ ድማ፡ መንግስቲ ንሕቶታት ህዝቢ ኣፍልጦ ክህብ ኣለዎ ኢሎም።