ስደተኛታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ወደብ ሊብያ ካብ መርከብ ምውራድ ኣብዮም

ኣብ ሚስራታ ዝዓሸገት (መልሕቓ ዝደርበየት) መርከብ

ምንጪ ስእሊ, MSF Sea

መግለጺ ስእሊ, እታ መርከብ ናብ ሊብያ ካብ እትበፅሕ ሸሞንተ መዓልቲ የሕሊፋ ኣላ

ናብ ሊብያ ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ህይወቶም ካብ ዘድሓነትም ናይ ፅዕነት መርከብ ኣይንወርድን ኢሎም።

ብኣሰጋገርቲ ግፍዕታት ከም ዝተፈፀሞም ዝዛረቡ እቶም ስደተኛታት፡ ተገዲዶም ካብታ መርከብ ካብ ዝወርዱ ንሞት ከም ዝመርፁ ኣፍሊጦም።

እቶም ስደተኛታት፡ ኣብ ምዕራባዊ ሊብያ እትርከብ ወደብ ሚስራታ ቅድሚ ሰሙን'ዮም በጺሖም።

ኤ ኤፍ ፒ፡ ንመግለፂ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፀሪሑ ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ስደተኛታት ካብ ኢትዯጵያ፣ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳን፣ ፓኪስታን፣ ብንግላዲሸን ዶማሊያን ዝመፁ እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ህፃን ቆልዓ ዝሓዘት ኣደ ትርከቦም፡ 14 ሰባት ካብታ መርከብ ወፂኦም፡ ናብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሊብያ ከም ዝኣተዉ ፀብፃብ ኣልጀዚራ የመልክት። ዝተረፉ 77 ሰባት ግን ካብታ መርከብ ንምውራድ ድልዋት ኣይኮኑን።

ሰራሕተኛታት ረድኤት ሕክምናዊ ሓገዝ ይህብዎም'ኳ እንተሃለዉ፡ ኣብታ መርከብ ዝርከቡ ስደተኛታት "ምልክታት ተስፋ ምቑራፅ እናተርኣዮም'ዩ" ኢሎም።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

Presentational white space

እቶም ስደተኛታት ባንዴራ ፓናማ ኣብ ዝተሰቐላ 'ኒቪን' ዝተበሃለት መርከብ፡ 29 ጥቅምት'ዮም ተሳፊሮም።

"ከመይ ካብዛ መርከብ ውረዱ ትብሉና?" ዝበለ ወዲ 17 ዓመት ሱዳናዊ ቪክቶር፡ "ካብ ሊብያ ወፃኢ ናብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ንምኻድ ድልው እየ" ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

ንሱ ከም ዝበሎ፡ ሓዉን መሓዝኡን፡ ኣብ ደቡባዊ ትሪፖሊ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ህይወቶም ስኢኖም'ዮም።

ካልኦት ስደተኛታት ድማ፡ ጉዕዞ መርከብ ዝጀመሩ ናብ ማልታ ንምብፃሕ ብምሕሳብ ከም ዝነበረ ንኣልጀዚራ ገሊፆም።

"ኩሉ ሰብ ካብዛ መርከብ ካብ ምውራድ ሞት ንመርፅ'ዩ ዝብል ዘሎ" ክብል ካልእ ወዲ 18 ዓመት ደቡብ ሱዳናዊ ተዛሪቡ።

ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ ፡ "ፀገማት ናብ ዝመልኦዎእም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ መፅንሒ ስደተኛታት ክኣትዉ የብሎምን" ክብል እቶም ስደተኛታት ክወርዱ ከም ዘይብሎም ኣፍሊጡ።