ስደተኛታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ወደብ ሊብያ ካብ መርከብ ምውራድ ኣብዮም

ምንጪ ስእሊ, MSF Sea
ናብ ሊብያ ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ህይወቶም ካብ ዘድሓነትም ናይ ፅዕነት መርከብ ኣይንወርድን ኢሎም።
ብኣሰጋገርቲ ግፍዕታት ከም ዝተፈፀሞም ዝዛረቡ እቶም ስደተኛታት፡ ተገዲዶም ካብታ መርከብ ካብ ዝወርዱ ንሞት ከም ዝመርፁ ኣፍሊጦም።
እቶም ስደተኛታት፡ ኣብ ምዕራባዊ ሊብያ እትርከብ ወደብ ሚስራታ ቅድሚ ሰሙን'ዮም በጺሖም።
ኤ ኤፍ ፒ፡ ንመግለፂ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፀሪሑ ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ስደተኛታት ካብ ኢትዯጵያ፣ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳን፣ ፓኪስታን፣ ብንግላዲሸን ዶማሊያን ዝመፁ እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ህፃን ቆልዓ ዝሓዘት ኣደ ትርከቦም፡ 14 ሰባት ካብታ መርከብ ወፂኦም፡ ናብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሊብያ ከም ዝኣተዉ ፀብፃብ ኣልጀዚራ የመልክት። ዝተረፉ 77 ሰባት ግን ካብታ መርከብ ንምውራድ ድልዋት ኣይኮኑን።
ሰራሕተኛታት ረድኤት ሕክምናዊ ሓገዝ ይህብዎም'ኳ እንተሃለዉ፡ ኣብታ መርከብ ዝርከቡ ስደተኛታት "ምልክታት ተስፋ ምቑራፅ እናተርኣዮም'ዩ" ኢሎም።

እቶም ስደተኛታት ባንዴራ ፓናማ ኣብ ዝተሰቐላ 'ኒቪን' ዝተበሃለት መርከብ፡ 29 ጥቅምት'ዮም ተሳፊሮም።
"ከመይ ካብዛ መርከብ ውረዱ ትብሉና?" ዝበለ ወዲ 17 ዓመት ሱዳናዊ ቪክቶር፡ "ካብ ሊብያ ወፃኢ ናብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ንምኻድ ድልው እየ" ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
ንሱ ከም ዝበሎ፡ ሓዉን መሓዝኡን፡ ኣብ ደቡባዊ ትሪፖሊ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ህይወቶም ስኢኖም'ዮም።
ካልኦት ስደተኛታት ድማ፡ ጉዕዞ መርከብ ዝጀመሩ ናብ ማልታ ንምብፃሕ ብምሕሳብ ከም ዝነበረ ንኣልጀዚራ ገሊፆም።
"ኩሉ ሰብ ካብዛ መርከብ ካብ ምውራድ ሞት ንመርፅ'ዩ ዝብል ዘሎ" ክብል ካልእ ወዲ 18 ዓመት ደቡብ ሱዳናዊ ተዛሪቡ።
ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ ፡ "ፀገማት ናብ ዝመልኦዎእም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ መፅንሒ ስደተኛታት ክኣትዉ የብሎምን" ክብል እቶም ስደተኛታት ክወርዱ ከም ዘይብሎም ኣፍሊጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







