ፕረዝደንት ሳህለወርቅ፡ ሰባት ብዛዕብኣን እንታይ ይብሉ?

ኣምባሳደር ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ትማሊ ፕረዝደንት ኮይነን ምስ ተመረጻ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ዝፈልጡወን ሰባት ብዛዕብአን ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ርእይቶታትን ይህቡ ኣለው።

ብፍላይ ድማ ኣምባሳደር ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ንነዊሕ እዋን ብስራሕ ዝፈልጡወን ሰባት ብዛዕብአን እንታይ ይብሉ?

ፕሬዝደንት ኣምባሳደር ሳህለወርቅ ዘውዴ (ጸጋም) ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

"ጸባየ ሰናይ'የን"

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ'ዮም።

ንሶም፡ ኣምባሳደር ሳህለወርቅ ዘውዴ ዝሰርሓሎም ጉዳያት ወጻኢ፡ ብኣምበሳደርነትን ካልኦት ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ተልእኾን፡ ብብቕዓት ከምዝሰርሓ ይዛረቡ።

"ውጽኢታዊ ስራሕ ካብ ሞንጎ ዝሰርሑ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሰራሕተኛታት ሓንቲ እየን" ብምባል ድማ ይገልጹወን።

ሓዳሽ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደር ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ብሓላፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ ፍልይቲ ተወካሊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይነን ተሸይመን ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ክሰርሓ ጸኒሐን።

ኣምባሳደር ዲና፤ "ኣምባሳደር ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ሓላፍነተን ብዝግባእ ሞያዊ ብቕዓት ዝፈጸማን ጸባየ ሰናይን'የን" ብምባል እንትገልጹወን፡ ብስርሐን ብቕዕቲ ምዃነን ብምምስካር'ዩ።

ኣባል፡ "የለው ሙቭመንት" ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ረድኤት ከፍኣለ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ዝገበሮ ሹመት ካቢኔ ሚኒስትራት ዝነበረ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ብምዝኽኻር፡ ሹመት እተን ፕሬዝደንት'ውን ብኣንጻር ተሳትፎን ውክልናን ደቂ ኣንስትዮ ኣድላዪ'ዩ ትብል።

"ቅድም ኢሎም ኣብ ዝነበሩ ዓመታት፡ ደቂ ኣንስትዮ ብኣፍና 50 ሚኢታዊት እቲ ሕብረተሰብ እየን ክንብል ጸኒሕና። ኮይኑ ግና ርኢናየን ኣይንፈልጥን ነይርና። እዚ ግና ንዓይንና ሓድሽ'ዩ። ብሕጂ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝህልወን እጃም ልዑል'ዩ"

ብኻልእ ወገን ኢላ ረድኤት፡ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ላዕለዋይ ክፍሊታት መሪሕነት መንግስቲ ምምጻእ፡ መሪሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ከም እንላመድ ዝገብር'ዩ።

ፕሬዝደንት ሳህለወርቅ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣቶ ዘሩባቤል ጌታቸው ሰራሕተኛ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ኣብ ናይሮቢ ተመዲቡ ስራሕ እንትጅምር'ዩ ዝፈልጠን።

"ኣምባሳደር ሳህለወርቅ ኢትዮጵያውነተን እዚ'ዩ ኢለ ክገልጾ ኣይክእልን። ትሕትና ዝተላበሳን አአንጋዲት ጋሻን'የን ክብል እኽእል" ይብል።

ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝነበረን ጻንሒት፡ ምስጉን ስራሕቲ ከምዝሰርሓ ዝዛረብ ኣቶ ዘሩባቤል፡ ናብ ናይሮቢ መጺኡ ስራሕ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ ናይ ስራሕ ዕድሚአን ዘኻዕበትኦ ልምድን ተሞኩሮን ብምክፋል፡ ንሓደሽቲ ዝሕግዛን ዘተባብዓን ኣምባሳደር ከምዝነበራ ይዛረብ።

"ኣቦ ሒዙዎ ዝነበረ ወንበር፡ ኣደ ክትርከቦ እንከላ ሚዛናውነት'ዩ ዝፈጥር"

ወይዘሮ ኣበባ ገብረስላሰ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 1997 ዓ.ም ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ መረጻ ብውልቀን ናብ ውድድር ቀሪበን ዝነበራ ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ እየን።

ንሰን፡ ኢትዮጵያ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ምሻማ ኣዝዩ ከምዘሐጎሰን ይዛረባ።

"ጓል ኣንስተይቲ ኩሉ ነገር'ያ። ኣብቲ ከይዲ ሰላም ድማ ጽቡቅ እጃም ክህልዋ'ዩ እየ ዝብል። ኣቦ ሒዙዎ ዝነበረ ወንበር፡ ኣደ ክትርከቦ እንከላ ሚዛናውነት'ዩ ዝፈጥር" ዝብላ ወይዘሮ ኣበባ፡ ኣደ፡ ኩሉ ነገር'ያ። ብፍላይ፡ ንሰላም ዝምልከት ነገር ምስ ውላዳን ኣሚናን ዘትያ ስለ እትትልሞ ሰላም ንምስፋን ጽቡቕ'ዩ እየ ዝብል ኢለን።

እተን ማዕረ ተመረጽቲ ደቂ ኣንስትዮ ምህላወን ጽቡቕ'ዩ ዝብላ ወይዘሮ ኣበባ፡ በዝሒ ጥራሕ ዘይኮነ ዓቕሚ'ውን ክመጣጠን ኣለዎ ዝብል ርኢይቶ'ውን ኣለወን።

ዝተፈለየ ነገር'ኳ እንተዘይመጽአ፡ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ግዕዝይና፡ ኣብ ምቅላስ ጽቡቕ ነገር ክሰርሓ'የን ኢለ እኣምን ድማ ኢለን።

ኣደ ንስለ ሰላም ትጽሊ፤ ዝክኣላ ፈቲና ድማ ፍትሒ ተምጽእ። ስለዚ ኣደ ብምዃና ነገራት ክቕየሩ'ዮም ኢለ ተስፋ ይገብር ኢለን ወይዘሮ ኣበባ።

መንእሰይ ፍጹም ብርሃነ፡ብወገኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ቅድም ኢሉ ኣብ ዝገበሩዎ ሺመት ካቢኔ ሚኒስትራት 50 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ክኸዉን ምግባሮም ጽቡቕ'ኳ እንተኾነ ዓብዪ ነገር'ዩ ኢልካ ግና ምውሳድ ኣይከኣልን'ዩ ዝብል።

"ብዙሓት ተጓይኻ ዝግበሩ ነገራት ኣለው። ግና ቁም ነገር ክህልዎም ኣለዎ። ብዙሓት መብጽዓታት ይእተው'ዮም። ደቂ ኣንስትዮ ናብ ሽመት ምምጽአን ግና ነዚኦም ኩሎም ዝምልስ ክኸውን ኣይክእልን" ይብል።