ኢሉድ ኪፕቾጌ፡ ብሉጽ ሰብ እዚ ዓመት ሕቡራት መንግስታት ኮይኑ

ኪፕ ቾጌ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ወናኒ ክብረ ወሰን ማራቶን ዓለም ኢሉድ ኪፕ ቾጌ፡ ኣብ ኬንያ ብዘሎ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ 'ብሉጽ ሰብ እዚ ዓመት ሕቡራት መንገስታት' ኮይኑ ተሓርዩ።

ወዲ 33 ዓመት ኬንያዊ ኣትሌት ኢሉድ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን፡ ብ2፡01፡39 ውድድሩ ብምዝዛም፡ ክብረ ወሰን ማራቶን ዓለም ጨቢጡ'ዩ።

ካብቲ ቅድም ክብል ዝተመዝገበ ሰዓት ማራቶን፡ ሓደ ደቒቕን 20 ሴኮንድን'ዩ ኣመሓይሹ።

"ብዘለዎ ፍሉይ ስፖርታዊ ብቕዓት፣ ኣብ ምዕባይ ኣፍልጦ ኤች ኣይቭ ዝገብሮ ኣበርክቶ፣ ጻዕርን ሓቦን" ከምዝተሓረየ፡ ትካል ትምህርቲ፣ ባህልን ሳይንስን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብትዊተር ሓቢሩ።