ካሜሩን፡ ድሕሪ ዓወት ፕሬዚደንት ቢያ፡ ንሓላፊ ምርጫ ርሻን ክትሃንጸሉ ኢያ

ፕረዚደንት ፖል ቢያ ኣብ'ቲ ምርጫ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መንግስቲ ካሜሩን፡ ድሕሪ እቲ ወዲ 85 ዓመት ፕሬዚደንት ፖል ቢያ ንሻውዓይ ግዜ 71.3 ምእታዊ ድምጺ ብምርካብ ምምራጹ፡ ነቲ ናይቲ ምርጫ ቤት ምኽሪ ፕሬዚደንት 475,000 ዶላር ኣሜሪካ ዝውድእ ርሻን ክትሃንጸሉ ወሲና።

ኣዚ ብብዙሓት ደቂ ካሜሩን ከም ዓስቢ ናይቲ ዘካየዶ ስራሕ ወሲዶሞ። ፕሬዚደንታዊ ሕጹይ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ሞሪስ ካምቶ ነቲ ፕሬዚደንት ቤት ምኽሪ ንፕሬዚደንት ፖል ቢያ ብምድላው ከሲስዎ።

ካሜሩን ድሕሪ ዳግማይ ምምራጽ ፕሬዚደንት ፖል ቢያ፡ መንግስቲ ነቲ ውጽኢት ምርጫ ዝኣወጀ ፕሬዚደንት ቅዋማዊ ቤት ምኽሪ ሓድሽ መንበሪ ገዛ ንምህናጽ ተጫረቲ ዓዲሙ።

እቲ ኣስታት 475,000 ዶላር ዝውድእ ዓቢ ርሻን ኣብቲ ሃብታማት ዝነብርሉ ከባቢ እታ ርእሰ-ከተማ ያውንዴ ኢዩ ክህነጽ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ምክያድ እቲ ምርጫ ብተቓወምቲ ዝቐረበ 18 ጥርዓናት ነጺግዎ።

እቲ ጉዳይ ናብቲ ቤት ምኽሪ ኣብዝቐረበሉ፡ ሓደ ናይ ተቓዋሚ ሰልፊ ጠብቓ ንዳኛ ክሌሜንት ኣታንጋና ንፕሬዚደንት ፖል ቢያ ብምድላው ወቒስዎ።

ብዓልቲ ቤት ዳና ክሌሜንት ኣታንግና ኣባል ባይቶ ናይቲ ገዛኢ ሰልፊ ኢያ፡ እንተኾነ ኣታንጋና ዝኾነ ምድላው ከምዘየርአየን ኣቲ ዝሃቦ ፍርዲ ድማ ኣብቲ ሕጊ ናይቲ ሃገር ዝተመርኮሰ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ዋላ`ኳ እቲ ክህነጽ ዝብሃል ዘሎ ርሻን ናይ መንግስቲ እንተኾነ፡ ድሕሪ`ቲ ምዝዛም እቲ ምርጫን ፖል ቢያ ዳግማይ ምምራጹን ክህነጽ ይብሃል ስለዘሎ ብዙሓት ደቂ ካሜሩን እቲ ክህነጽ ዝሓሰብ ዘሎ ርሻን ብፍላይ ንዳኛ ክሌሜንት ኣታንጋና ኢዩ ዝህነጽ ዘሎ ይብሉ ከምዘለው ናይ ቢቢሲ ጋዜጠና ንጋላ ኪልያን ቺምቶም ካብ ያውንዴ ጸብጺቡ።

ቢቢሲ ብዛዕባ ምህናጽ ናይቲ ርሻን ኣመልኪቱ ንዳኛ ኣታንጋናን ንመንግስትን ተወኪስዎም፡ እንተኾነ ክልቲኦም ዝኾነ መልሲ ኣይሃቡን።

ኣብቲ እዋን ምርጫ ኣንታይ ተፈጺሙ?

እቲ ወዲ 85 ዓመት ፕሬዚደንት ፖል ቢያ ኣብቲ ናይ 7 ጥቅምቲ ምርጫ 71.3 ሚእታዊ ብምርካብ ንሻውዓይ ግዜ ተመሪጹ። ፕሬዚደንት ፖል ቢያ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ ኢዩ። ኣብ 1982 ኢዩ ናብ ስልጣን ደይቡ።

እቲ 14 ሚእታዊ ድምጺ ብምርካብ ካልእይ ዘወጸ ሕጹይ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ሞሪስ ካምቶ፡ እቲ መስርሕ ምርጫ ዓቢ ምድንጋር ነይርዎ ብምባል ነቲ ውጽኢት ምርጫ ተቓዊምዎ።

ሓንቲ ዜጋ እናመረጸት

ምንጪ ስእሊ, AFP

ዳሕራይ ድማ ኢሉ እቲ ምርጫ ብፍላይ ኣብቲ ቋንቋ ኣንግሊዝ ዝዝውተረሉ ኣውራጃታት እሞ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተቓውሞን ብተነጸልቲ ሓይልታት መጥቃዕትታት ዝተኻየደሉን ኣማኢት ዝሞቱሉን ከባቢ ብህውከት ዝተዓብለለ ምርጫ ኢዩ ነይሩ ኢሉ።

ኣብቲ ክልተ ቋንቋ ኣንግሊዝ ዝዝውተረሉ ክልተ ኣውራጃታት - ስሜናዊ ምዕራብን ደቡባዊ ምዕራብን ናይቲ ሃገር - ናይ ኣድመጽቲ ተሳትፎ ኣዝዩ ትሑት ኢዩ ነይሩ፡ ስጋብ 5 ሚእታዊ ይበጽሕ ከምዝነበረ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ ሓቢሩ።

በንጻሩ መንግስቲ ናይ ኣድመጽቲ ተሳትፎ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ 16 ሚእታዊ ከምዝነበረ ሓቢሩ።

እቲ ቅዋማዊ ቤት ምኽሪ ብመሰረት እቲ ብ1996 ዝጸደቐ ቅዋም ኢዩ ተመስሪቱ። ኣቶም 11 ኣባላት ኣቲ ቤት ምኽሪ ድማ ዝሕደስ ንሽዱሽተ ዓመት ብፕሬዚደንት ፖል ቢያ ኢዮም ተሓርዮም።

እቲ ቀንዲ ሓላፍነት ናይቲ ቤት ምኽሪ ድማ ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ምርጫ ናይ መወዳእታ ውጻኢት ውሳነ ምሃብ ኢዩ።