ትራምፕ ስደተኛታት ናብ ኣሜርካ ዝሰዳ ሃገራት ይቐጽዕ

ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ጓቲማላ፣ ሆንዱራንስ ኤልሳልቫዶርን ነቲ ናብ ኣሜሪካ ዘምርሕ ዘሎ ገዚፍ ቁጽሪ ዘለዎ ቃፍላይ ስደተኛታት ብዘይምዕጋተን ክትህበን ዝጸንሐት ሓገዝ ክተጉድሎ ክትጅምር`ያ ኢሉ።

ነተን ሃገራት ድማ ስደተኛታት `ብዘይሕጋዊ` መንገዲ ናብ ኣሜሪካ ክመጹ ብምፍቃደን ብሰኑይ ወቒሱወን።

እቲ ቃፍላይ ስደተኛታት ብመክሲኮ ኣቢሉ`ዩ ናብ ኣሜሪካ ዝጓዓዝ ዘሎ፡ ግን ናብ ዶብ ኣሜሪካ ኣይቀረበን ዘሎ።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ምጉዳል ሓገዝ ነቲ ኩነታት ከጋድዶ`ዩ ኢለን።

ኣሜሪካ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከምተጉድል ትራምፕ ኣየነጸረን፡ ከምኡ ዓይነት ምጉዳል ሓገዝ ብፕረሲደንታዊ ትእዛዝ ክውሰድ ይከኣል ድዩ ኣይከኣልን`ውን ግልጺ ኣይኮነን።

ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ዓለም-ለኻዊ ትካል ኣሜሪካ፡ ኣብ 2017 ጓቲማላ 280 ሚሊዮን ዶላር፣ ሆንዱራስ 175 ሚሊዮን ዶላር ኤልሳልቫዶር ድማ 115 ሚሊዮን ዶላር ካብ ኣሜሪካ ብመልክዕ ሓገዝ ረኺበን።

`መበቆል ስደተኛታት ንዝኾና ሃገራት ምብጉዳል ሓገዝ ምቕጻዕ ነቲ ስደተኛታት ዘፈናቐለ መበገሲ ኩነታት ምግዳድ`ዩ` ኢሉ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማም ኣይትስ ዋች ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።

እቲ ቀንዲ መበገሲ ናይ`ቲ ሽግር ክፍታሕ ኣለዎ ኢሉ እቲ ትካል። `ሰባት ኣብ ሃገሮም ብዘይ ጸገም ክነብሩ እንተኽኢሎም ዓዶም ገዲፎም ክወጹ ኣይምደለዩን` ድማ ኢሉ።

ፕረሲደንት ትራምፕ እቶም ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ ዝደልዩ`ዮም ክብል ወቒስዎም።

መብዛሕትኦም እቶም ናብ ኣሜሪካ ገጾም ዝጓዓዙ ዘለዉ ስድራቤታት ዑቕባ ዝሓቱ`ዮም። ካብ ኣብ ሃገራቶም ዘለዉ ግፍዒታት፣ ድኽነትን ጎነጻትን ከምዝሃደሙ ድማ ይገልጹ።

ንምንታይ`ዩ ትራምፕ ሓያል ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ?

ምግታእ ዋሓዚ ስደተኛታት ሓደ ካብ ትራምፕ ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ ዝኣተዎም መብጸዓታት`ዩ።

ሰልፊ ሪፓብሊካን ድማ ኣብ 6 ሕዳር ንዝካየድ ሚድ ተርም ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ መንጎ ዝግበር ምርጫ ንኽወዳደር ይሸባሸብ ኣሎ። ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ድማ ገለ መንበር ክሕደግ ይኽእል`ዩ።

ብዘይገለ ጭብጢ፡ ትራምፕ እቲ ጉዕዞ ናይቶም ስደተኛታት ፖለቲካዊ ድርኺት ከምዘለዎ ብተደጋግሚ ክገልጽ ጸኒሑ`ሎ።

ብሰኑይ ድማ ህዝቢ ብዛዕባ`ቲ ናይ ዶብ ሽግር ንሰልፊ ዲሞክራትስ ክነቅፍ ጸዊዑ።

ኣብ መንጎ`ቲ ናብ ኣሜሪካ ዘምርሕ ዘሎ ቃፍላይ ስደተኛታት `ገበነኛታትን ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጹ ዘይፍለጡ ሰባት` ኣለዉ ድማ ኢሉ። እንተኾነ ግን እንታይ ማለቱ ምዃኑ ብጋዜጠኛታት ምስ ተሓተተ ባዕልኹም መርምርዎ ብምባል ጥራይ ሓሊፍዎ።

እቶም ስደተኛታት ኣበይ ኣለዉ?

እቲ ቃፍላይ ሰደተኛታት ብሰንበት ኣብ`ታ ኣስታት 37 ኪሎሜተር ካብ ዶብ ናይ ጓቲማላ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ታፓቹላ ናይ ሜክሲኮ ኣትዩ።

ሰበ-ስልጣን ሜክሲኮ ኣብ ፈለማ ኣብ ሓደ ቢንቶ ክዓግትዎም ፈቲኖም ነይሮም ኣንተኾነ ግን ገሊኦም ኣምሊጦም ብጀልባ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሜክሲኮ ኣትዮም።

`ብጸሓይ ነዲድና ኢና። ማይ ዝሙዓገ ክፍሊ ኣካላት ኣለና። ሓቦና ካብ ናይ ትራምፕ ፈኸራ ይብርትዕ` ኢሉ ብሪታኒ ሄርናንደዝ ንማዕከን ዜና ኤ ኤፍ ፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

ብመሰረት ሓበሬታ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ፡ እቲ ቃፍላይ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ክበጽሕ ሰሙናት ክወስደሉ`ዩ።

እቲ ናብ ዶብ ሜክሲኮ-ኣሜሪካ ዝቐረበ መስገሪ ቦታ ብሮውንስቪል ልዕሊ ሓደ ሽሕን ስዱሽተ ሚእትን ኪሎሜተር ካብ ታፓቹላ ርሒቑ ይርከብ።

ኣብ ሜክሲኮ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ንምስላጥ ክሳብ 45 መዓልታት ክወስድ ይኽእል።

ኣስታት ሓደ ሽሕ ሆንዱራሳውያን ብ13 ጥቅምቲ ካብ`ታ ብገበን ዝተፈልጠት ከተማ ሳን ፔድሮ ካብ ሽቕለት-ኣልቦነትን ጎንጺን ንምህዳም ብእግሮም ተበጊሶም።

ብድሕሪ`ዚ ድማ ንኻልኦት ዜጋታት ማእከላይ ኣሜሪካ ዝርከብዎ ቃፍላይ ስደተኛታት ኣብ ምስጋር ዶብ ጓቴማላ ናብ ሜክሲኮ ተጸምቢሮም።

እቲ ዞባ ሓደ ካብቲ ዝበዝሐ ገበናት ቅትለት ዝፍጸመሉ ክፍሊ ናይ ዓለምና ክኸውን እንከሎ ብዙሓት ሰባት ድማ ካብ ጎንጺ በጋሚዶታት ይሃድሙ።

እቲ ልክዕ ቁጽሪ ንምፍላጥ`ኳ ኣሸጋሪ እንተኾነ፡ እቲ ናብ ታፓቹላ ዝኣተወ ጉጅለ ክሳብ ሓሙድሽተ ሽሕ ሰባት ኣለውዎ። ካልእ ጉጅለ ድማ ክሳብ 1,500 ስደተኛታት ኣለውዎ።

ሓደ ካልእ ዝበዝሑ ሆንዱራሳውያን ዘለውዎ ጉጅለ ድማ ናብ ኣሜሪካ ተበጊሱ`ሎ።