እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ብዝተልዓለ ጎንፂ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት ጉድኣት በፂሑ
ትማሊ፡ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ኣብ ሞንጎ ፍሉይ ሓይልን መናእሰይን ብዝተፈጠረ ግጭት፡ ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ብጥይት ከም ዝሓለፈ መሰኻኽር ዓይኒ እቲ ኸባቢ ተዛሪቦም።
ይኹን'ምበር መንግስቲ ትግራይ፡ ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ቑጽሪ መወትቲ ሰለስተ ከምዝኾነ'ዩ ሓቢሩ።
ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ንድሓር፡ መናእሰይ እታ ከተማ ሕቶ መንነት ምልዓል ከምዝጀመሩ'ውን ይገልጹ።
ኣይተ ዝናቡ ማርፌ፡ ነባሪ እታ ከተማ እንትኾኑ፡ ትማሊ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ተሳታፊ'የ በሃሊ'ዮም።
ኣብቲ ሰልፊ ተሃሪመ'የ ዝብሉ ኣይተ ዝናቡ፡ "ካብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ንድሓር መናእሰይ እታ ከተማ ወረቐት ብምብታን ሰላማዊ ሰልፊታት ንምክያድ ጻዕሪ ይገብሩ ነይሮም። ነዚ ለውጢ ንድግፍ ኢና ዝብል ካናቴራ ይኽደኑ። ብዚ ተግባሮም ድማ ተኣሲሮም ይፍትሑ። እቲ ናይ ትማሊ ግና ሕማቕ'ዩ ነይሩ" ኢሎም።
ካልእ ንስለ ድሕነቱ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባሪ እታ ከተማ፡ በቲ ናይ ትማሊ ግጭት ብጥይት ሰለፊ ተሃሪሙ'ዩ። "ብጥይት ዝተወቕዐ ቖልዓ ከልዕል እንትኸይድ'የ ኣነ'ውን ተወቒዐ" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ትማሊ መናእሰይ ናብቲ ሜዳ ኩዕሶ ኢድ ተኣኪቦም ኣብ ዝኸድሉ እዋን ክብተኑ ስለዝተገበረ፡ እቲ ግጭት ክለዓል ምኽንያት ከምዝኾነ'ዩ ዝዛረብ።
ቑጽሪ ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት
ኣይተ ዝናቡ ማርፌ ሓዊሱ ካልኦት ነበርቲ እታ ከተማ ከምዝብሉዎ፡ በቲ ናይ ትማሊ ግጭት ከተማ ኣላማጣ፡ 5 ሰባት ሞይቶም'ዮም ይብሉ።
ሰራሕተኛ ሆስፒታል ኣላማጣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ፡ እቶም ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ኣለማጣ ዘለዉ ከባቢ 25 ከምዝኾኑን ሓደ ብኸቢድ መቑሰልቲ ዝተሃሰየ ናብ ዝለዓለ ሕክምና ናብ መቐለ ከምዝተልኣኸ ፈሊጠ ኣለኹ ይብል።
ቢሮ ኮምዩኒኬሽን እቲ ክልል ግና፡ እቲ ትማሊ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ዝተፈጠረ ጎንጺ፡ ኣብ ሞንጎ ብሽም መንነት ዝንቀሳቐሱ ኣካላትን ሓይልታት ጸጥታን ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ህይወት ሰለስተ ሰባት ሓሊፉ'ዩ ክብል ብፌስቡክ ገጽ ሓቢሩ።
ኣብ ልዕሊ ኣካላት ጸጥታ'ውን ጉድኣት ከምዝበጽሐ ብምግላጽ፡ "ሕቶ መንነት ህዝቢ ብምምሳል ካልእ ፖለቲካዊ ረብሓ ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ጉያ ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር'ዩ" ኢሉ።
ሎሚ ረፋድከ?
ነበርቲ እታ ከተማ ከምዝብሉዎ፡ ሎሚ መዓልቲ ክሳብ ረፋድ መገዲ ኣላማጣ ዕጽው'ዩ። ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ግና መገዲ ንምኽፋት ጻዕሪ ይገብሩ ኣለው።
ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሰራሕተኛ ሆፖስፒታል ኣላማጣ ዝኾነ ውልቀሰብ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሎሚ ንጉሆ፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይቶም ትማሊ ዝሞቱ ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዕጡቓት ፍሉይ ሓይሊ ኣብታ ከተማ ብበዝሒ ከምዘለውን፡ ብመንጽሩ ድማ ህዱእ ኩነታት ከምዘሎን ሓቢሩ።
ትማሊ እቶም መናእሰይ ዕግርግር ምስ ፈጠሩ ሽማግለታት ዓዲ ከህድእዎም ከምዝፈተኑ ገሊፁ፤ እቶም መናእሰይ ግን ከም ዘይተቐበልዎም ተዛሪቡ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ንመናእሰይ ኣዛትዮም ነይሮም ይብሉ ኣብቲ ቀብሪ ዝወዓሉ ኣስማቶም ክግለፅ ዘይደለዩ ነበርቲ እታ ከተማ::
መንነት ራያ ይከበር! ፍሉይ ሓይሊ ካብ ከባቢና ይርሓቕ! ቀተልትና ብሕጊ ይተሓተቱልና! ከም ዝበሉ ተሰሚዑ'ሎ::
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ከተማ ምንቅስቓስ መካይን'ውን ጠጠው ኢሉ ኣሎ ይብሉ እቶም መሰኻኽር ዓይኒ::
ኣብ ራያ ሰፊሕ ስእነት ስራሕን ጉድለት ፍትሕን ምህላዉ ኣምሪሮም ዝዛረቡ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ነቶም መናእሰይ ቀሪቡ ዘዘራርብ በዓል ስልጣን ኣይረኸብናን ይብሉ።
ሕቶ መንነትከ ኣሎ'ዶ?
ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ትግራይ፡ ወኪል ወረዳ ኣላማ ኣይተ ረዳኢ ዝናቡ፡ እቲ ህዝቢ ከም ኩሉ፡ ሕቶታት ፍትሕን መሰረተ ልምዓትን'ኳ እንተሃለዎ ነዚ ሰሚዑ ናብ ታሕቲ ወሪዱ ተኸታቲሉ ዝፈትሕ ኣካል ግና የለን ኢሎም።
እቲ ትማሊ ዝተፈጠረ ግጭት ድማ፡ ብምኽንያት ምጉዳል ፍትሕን ሰኣኖ ስራሕን ዝተማረሩ ሰባት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሓቢሮም።
"መንነትና ራያ'ዩ ብምባል፡ ብናይ ባዕልና ሰብ ክንመሓደር ኣለና ዝብል ሕቶ ኣሎ። ምምሕዳርና ናብ ክልል ኣምሓራ'ዩ ዝብል ግና ልቢ ዘይብሉ እምበር ልቢ ዘለዎ ኣይብልን። ፍልጠት'ዩ ተባሂሉ ዝውሰድ'ኳ እንተ ዘይኮነ፡ ኣይለዓልን ግና ኣይበሃልን" ድማ ይብሉ።
እዚ'ውን ኾይኑ ግና፡ ብትኽክለኛን ሕጋዊ ብዝኾነ መገድን ክቐርቡ ዝግብኦም ሕቶታት እምበር፡ ብእምኒ ዝመጽእ ነገር ዝጎድእ'ዩ ክኸውን ክብሉ ተዛሪቦም።
ካሊእቲ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ወካሊት ወረዳ ኣላማጣ ወይዘሮ ጃኖ፡ ንጉሰ ድማ፡ ብቲ ዝተፈጠረ ጸገም ዝሰዓበ ሞትን መቑሰልትን ከምዘሕዘነን ብምግላጽ፡ ሕቶ ህዝቢ ኣላማጣ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን'ዩ ኢለን።
"ስራሕ ስኡን መንእሰይ ብዙሕ'ዩ፣ ፍትሕን ልምዓትን ድማ ጎዲሉ'ዩ። ኾይኑ ግና ንሳቶም ጥራሕ ኣይኮኑን። ሕዚ ዘሎ ምንቅስቓስ ግና መንነት ራያ ዝብል'ዩ። መንነት ራያ፡ ዝብሉ ኣለው፡ ኣነ እዚ እንታይ ማለት ከምዝኾነ ኣይርድኣንይ"።