እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መቐለ - ትግራይ፡ ብጣልያናዊ ኩባንያ ዝተሃነፀ ፋብሪካ ዓለባ ተመሪቑ
እቲ ትካል ንመባእታዊ ህንፀት እቲ ፋብሪካ 87 ሚልዮን ብር ከምዝወደአሉ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፋብሪካ ፈደሪኮ ፍራቦኒ ንቢቢሲ ገሊፆም።
ህንጸት እቲ ፋብሪካ ብ2008 ዝተጀመረ እንትኾን፡ ዛጊድ ን1,100 ሰባት ዕድል ስራሕ ከምዝሃበ እቶም ኣካያዲ ስራሕ ተዛሪቦም።
ምሉእ ጥረ ኣቑሑት እቲ ፋብሪካ ካብ ሃገራት ጣልያን፣ ሰርቪያ፣ ቻይናን ስሪላንካን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣቱ'ውን ተገሊፁ።
ፍርያት እቲ ፋብሪካ ሙሉእ ንምሉእ ናብ ዓዲ ጥልያን ከምዝለኣኽ ዝገለፁ ዋና ኣማሓዳሪ ፈደሪኮ፡ ካብ 2008/2016 ኣትሒዙ ወርሓዊ 22 ሚልዮን ብር ኣታዊ ከምዝረኸበ ተዛሪቦም።
እቲ ፋብሪካ ዓለባ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ደረጅኡ ስለዘዕበየ ድሕሪ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ እቲ ዝፀነሐ ቁፅሪ ዕድል ስራሕ ናብ 1,500 ክብ ክብል ከምዝብል መግለፂ እቶም ዋና ኣማሓዳሪ የረድእ።
ፋብሪካ ዓለባ ካልዜዶንያ፡ ብዋናነት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ካናቴራን ክዳን ለይቲን ከም ዘፍርይ ተፈሊጡ'ሎ።
በዓል ዋና እቲ ፋብሪካ ቬሮነዚ ሳንድሮ ሎምዓልቲ ኣብ ትግራይ ኣሸጎዳ ተረኺቦም ፋብሪከኦም ኣመሪቖም።
"ፋብሪካኻ ስለምንታይ ኣብ ኢትዮጵያ ሃኒፅካዮ ኢሎም ንዝሓቱኒ: ንምንታይ ከ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይህነፅ እዩ መልሰይ" ኢሎም።
ካልዜዶንያ ዝበሃል ፋብሪካ ዓለባ ኣብ 50 ሃገራት ዝሰርሕ ስሙይ ትካል ምዃኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ።