እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትማሊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃዋሳ ዑደት የካይድ ኣሎ
ትማሊ ሰሉስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ፡ ላዕለዋዎት ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ ሃዋሳ ዑደት የካይዱ ኣለዉ።
ብሚኒሰትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ሓለፊ ፖሎቲካዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ኣቶ የማን ገብረኣብን ዝምራሕ ጉጅለ ፡ ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ወርቕነህ ገበየሁ እናተመርሐ ዑደቱ የካይድ ኣሎ።
እቶም ልኡኻት ሃዋሳ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ብላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ክልል ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝተገብረሎም ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ጽሑፋተን ኣስፊረን።
ልዕለዎት ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ናይ ሃዋሳ ጻንሐቶም ኣብቲ ንኣሻሓት ኢትዮጵያውያን ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ትጽቢት ዝገበረሉ ኢንዳስትርያዊ ዞባ ክበጽሑ ትጽቢት ይግበር።
ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኣቶ በላቸው መኩርያ፡ ኤርትራ ቀዳመይቲ ማዕከን ዕዳጋኦም ክተከውን ምኻና ኣብቲ እዋን ዑደት ላዕለዋዎት ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ገሊጹ።