ኣል-ሸባብ ኣብ ሶማሊያ፡ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣሜሪካ '60 ሚሊሻ ቀቲሉ'

ሰራዊት ኣሜሪካ ብዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ማእከላይ ሶማሊያ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣየር 60 ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።

በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ወይ ድማ ዝቖሰሉ ሲቪል ዜጋታት ከምዘየለዉ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

ኣሜሪካ ከም ዝገለፀቶ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣካል ናይቲ ንጉጅለ ኣል-ሸባብ ንምጥፋእ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ሶማሊያ ሰሚርካ ዝካየድ ፃዕሪ እዩ።

እዚ ናይ ሕዚ መጥቃዕቲ ካብቲ 100 ዕጡቓት ዝተቐተሉሉ ናይ 2017 ወርሒ ሕዳር መጥቃዕቲ ቀፂሉ ዝኸፈአ ኮይኑ'ሎ።

ምስ ኣል-ቃይዳ ርክብ ዘለዎ ጉጅል ኣል-ሻባብ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ልዕሊኡ ተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝሃቦ መግለፂ የለን።

ኣብ ኣፍሪቃ ኣዛዚ ሰራዊት ኣሜሪካ "ኣብ ጎኒ ሶማሊያን ዓለም-ለኻዊ መሓዙትናን ብምዃን፡ ኣል-ሻባብ መሊሱ ከይስዕርር፣ ዓቕሙ ከየጠናክርን ንህዝቢ ሶማሊያ ከየጥቅዕን ኣብ ምክልኻል ውፉያት ኢና" ኢሉ።

ኣሜሪካ፡ ኣብ ሶማሊያ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 20 ደብዳብ ነፈርት ውግእን ሰብ ኣልቦ-ነፈርትን ከም ዝፈፀመት ፀብፃብ ኣሶሽየትድ ፕረስ የመልክት።