ጋምቢያ ሃገራዊ ኮሚሸን ሓቅን ዕርቅን ኣቚማ

ጋምቢያ ኣብ ዘመነ ስልጣን ፕረዚደንት ነበር ያህያ ጃሜ ኣብ ዝተፈፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣድሂቡ ዝሰርሕ ኮሚሽን ሓቅን ዕርቅን ኣጣይሳ።

ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ባንጁል ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት 11 ኮሚሽነራት ነቲ ኮሚሸን ክመርሑ ቃለ-መሓላ ፈፂሞም።

ሚንተር ፍትሒ ኣቡበከር ታምባዱ ከም ዝበሎ፡ ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ግዜ ስልጣን ጃሜ ብፍርሒ ተሸሚሞም ፀኒሖም'ዮም።

ስቓይ ዝተመልኦ መቕፃዕትን ብዘይመስርሕ ፍርዲ ዝፍፀም ናይ ሞት ቅፅዓት ልሙዳት ከም ዝነበሩ'ውን ሓቢሩ።

ግዳያትን መሰኻኸር ዓይኒን ኣብ መዛዘሚ እዚ ወርሒ ነቲ ኮሚሸን ቃሎም ክህቡ እዮም።

ጃሜ ኣብ መረፃ 2017 ተሳዒሮም ካብ ስልጣን ዝለቐቑ ኮይኖም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኮሚሸን ቀሪቦም ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክዛረቡ'ዶ ይኾኑ? ዝብል ኣይተፈለጠን።