እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዛምቢያ፡ ዘይሕጋዊ 'ወተሃደራዊ ስልጠና' ሂቦም ንዝበለቶም ቻይናውያን ኣሲራ
ፖሊስ ዛምቢያ ኣብታ ሃገር 'ዘይሕጋዊ ወተሃደራዊ ስልጠና' ይህቡ ነይሮም ንዝበሎም ክልተ ቻይናውያን ኣሲሩ።
እዞም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ሰናብቲ ዝተኣሰሩ ቻይናውያን፡ ንከባብያዊ ኣካላት ፀጥታ እቲ ማሕበረሰብ ስልጠና ብምሃቦም እዩ።
እቲ ሓደ ቻይናዊ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኣብታ ማእኸል በጻሕቲ ዝኾነት ከተማ ሊቪንግስቶን፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ዝኣተወ እንትኸውን እቲ ካልኣይ ድማ ብሰምበት እዩ ተኣሲሩ።
ብሓፈሻ ኣብዚ ስርሒት ዝተሳተፉ ዛምቢያውያን ሓዊሱ 11 ሰባት ከምዝተኣሰሩ ድማ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊፁ።
ዳይሬክተር ትካል መጠንቀቅታ ፀጥታን ድሕንነትን ከተማ ሊቪንግስቶን እውን ተኣሲሮም ከምዝነበሩ፡ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት እታ ሃገር ኮሚሽነር ፖሊስ ቦኒ ካፔሶ ሓቢሮም።
ፖሊስ ሸጓጉጥን ካልኦት ተተኮስቲ ጠያይትን ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ እውን ገሊፁ።
እዚ ትካል ፀጥታ ኮነ ተጠርጠርቲ ግና፡ ዛጊድ ብዛዕባ እቲ ቀሪብሎም ዘሎ ክሲ ዋላ ሓደ ዝበልዎ ነገር የለን።