እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህወሓት፡ 11 ኣባላት ፈፀምቲ ስራሕ መሪፁ
ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ መበል 13 ጉባኤ ህወሓት፡ ነቲ ውድብ ዝመርሑ ኣቦ መንበርን ምክትል ኣቦ መንበርን ተመሪፆም ኣለዉ።
ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄርን ብቕደም ሰዓብ ነቲ ውድብ ክመርሑ ድማ፡ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ መሪፅዎም።
ኣብቲ ጉባኤ፡ 55 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ዝተመረፁ እንትኾኑ፡ ሓደሽቲ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን'ዉን ተኻቲቶም።
ጉባኤ ህወሓት፡ ብኽብሪ ካብ ዘሰናበቶም 12 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ኣይተ ኣባይ ወልዱ፣ ወይዘሮ ቅዱሳን ነጋን ኣይተ ኪሮስ ቢተውን ይርከብዎም።
ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ እቲ ጉባኤ ነቶም ኣባላት ብኽብሪ ከምዘሰናበተ ሓቢሮም።
እቶም ብኽብሪ ዝተሰነዩ ነባራት ተጋደልትን ኣባላትን ኣይተ ኣባይ ወልዱ፣ ወይዘሮ ቅዱሳን ነጋ፣ ጎበዛይ ወልደኣረጋይ፣ ኪሮስ ቢተው፣ ኢሳይያስ ወ/ጅወርግስ፣ ነጋ በርሀ፣ ሃይለ ኣስፋሃ፣ ጎይቶኦም ይብራህ፣ ተኽለብርሃን ተስፋኣለም፣ ማሞ ገብረእግዝኣብሄር፣ ገብረመስቀል ታረቀን ሚኪኤለ ኣብርሃን እዮም።
ኣብዚ ጉባኤ፡ ቅድም ክብል ዝነበረ 45 ቁፅሪ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ፡ ናብ 55 ክድይብ ዝተወሰነ ኮይኑ፡ ሓደሽቲ መናእሰይ ናብቲ ኣመራርሓ ንኽመጽኡ ዕድል ከምዝወሃብ ተገሊፁ'ዩ።
እዞም ተመሪፆም ዘለዉ 55 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ድማ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ 11 ኣባላት ፈፃምቲ ስራሕ ህወሓት ተመሪፆም።
ካብዚኦም እቶም 9 ነባራት እንትኾኑ፡ ናብዚኦም ኣይተ በየነ መክሩን ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለ ሚካኤልን ተወሲኾሞም።