እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) መበል 13 ጉባኤኡ ጀሚሩ
ገዛኢ ውድብ ኣብ ትግራይ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ጉባኤኡ የካይድ ኣሎ።
እቲ ውድብ ሎሚ 16 መስከረም (26 መስከረም ብፈረንጂ) ኣብ ከተማ መቐለ መበል 13 ጉባኤኡ ጀሚሩ'ሎ።
"ኣብ ወፃኢ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ናብ ዓዲ ብምሕረት ብምእታዎም፡ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ዕድል ብዝለዓለ ንምጥቃም፡ ዘሎን ዘየሎን ዓቕሞም ወዲቦም ናይ ውሽጥን ናይ ወፃእን ሓይልታት ተኣሳሲሮም መንግስቲ ንምፍራስ ተዋዲዶም ይሰርሑ'ለዉ" ኢሎም ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብቲ ጉባኤ ኣብዘስምዕዎ መደረኦም።
እዞም ሓይልታት "ሰላማውን ዓመፃውን ምንቅስቓሳት ደሪቦም ምክያድ ዝጀመርሉ ኩነታት" ኣሎ ክብሉ'ውን ተዛሪቦም።
ንህልው ሃገራዊ ኩነታት ድማ "ናይ ተስፋን ስግኣትን" ክብሉ ገሊፆምዎ።
ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ መን'ዮም?
ብሓፈሻ፡ ኣስታት 1650 ሰባት ብድምፅን ብዘይድምፅን ኣብዚ ዋዕላ ይሳተፉ።
ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ፡ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ተወከልቲ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይናን እውን ይሳተፉ ኣለዉ።
ኣቦ ወንበር ተቓዋሚ ውድብ (ሰልፊ) ዓረና ትግራይ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ፡ ሓደ ካብ ተሳተፍቲ ናይቲ ጉባኤ እዩ።
ኣብ መድረኽ ዘረባ ክገብር እንከሎ፡ "ኣብ ጉባኤኹም ሓድሽትን ነዚ ግዜ ዝምጥኑን መራሕቲ ክተምፅኡ ተስፋ ይገብር" ኢሉ ኣይተ ኣብርሃ።
"ሓድሸ ኣመራርሓ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓድሽ ኣሰራርሓ" ክርኢ ትፅቢት ከምዝገብር 'ውን ተዛሪቡ።
እቲ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ፣ ባይታ ፖለቲካ ክስፍሕ፣ ህዝብን ውድብን ከምኡ ድማ መንግስትን ውድብን ተፈልዮም ክኸዱ፣ ትካላት ፀጥታን ፍትሕን ናፃ ክኾኑ ፀዊዑ።
ህዝቢ ንተቓወምቲ ውድባት እንተመሪፁ "ቃልስኹም ፍረ ኣፍርዩ'ሎ ማለት እዩ" ክብል ድማ ብፍላይ ንተጋደልቲ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ተዛሪቡ።
ብዛዕባ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን
ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል "ኣብ ሓድሽ ዓመት ሓድሽ ብስራት ተበሲሩ" ክብሉ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተፈጠረ ሃዋህው ሰላም ገሊፆምዎ።
"ምስ ጎረቤትና ኤርትራውያን ናይ ቀረባ ርሑቕ ኮይንና ድሕሪ ምፅናሕ፡ ህዝብታትና ክራኸቡ ጀሚሮም። ዘለካ ጥራሕ ዘይኮነስ ዘይብልካ እውን ተማቒልካ ተሓላሊኻ ምስጓም ተጀሚሩ'ሎ" ኢሎም።
ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ብታሪኽ፣ ባህልን ቋንቋን ዝተኣሳሰሩ ነዊሕ ታሪኽን ኣመፃፅኣን ዘለዎም ህዝብታት እዮም 'ውን ኢሎም።
ክልቲኦም ህዝብታት ካብ ሕሉፍ ፅቡቕን ሕማቕን ታሪኾም ክመሃሩ ይግባእ ክብሉ ድማ ወሲኾም ተዛሪቦም።
ካብዚ ጉባኤ እንታይ ትፅቢት ይግበር?
ኣብዚ ጉባኤ፡ ህወሓት መናእሰይን ምሁራትን ናብ ኣባልነት ማእኸላይ ኮሚቴ ከምፅእ ትፅቢት ኣሎ።
ውሃብቲ ርኢቶ ነዚ ብዝምልከት እንትዛረቡ፡ ሓደሽቲ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ንምእታው፡ እቲ ውድብ ቁፅሪ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ካብቲ ሕዚ ዘለዎ 45 ናብ 60 ክብ ከብሎ ከምዝኽእል ይዛረቡ።
"እዚ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ ዶ?" ክንብል ንሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ሓቲትናዮም፡ "ጉባኤ እዩ ዝውስኖ" ዝብል ምላሽ ሂቦምና።