ኢትዮጵያ 8 ነጥቢ 5 ሚእታዊት ዕብየት ከምተምዝግብ ኣይ.ኤም.ኤፍ ተንብዩ

ምንጪ ስእሊ, Sean Gallup
ላዕለዎት ሓለፍቲ ትካል ገንዘብ ዓለም (ኣይ.ኤም.ኤፍ.)፡ ንክልተ ሰሙናት ንኢትዮጵያ ሃዊፆም።
ኣብ መወዳእታ ዑደቶም ድማ፡ ኢትዮጵያ ካብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ክሳብ 2019 ኣብ ዘሎ ግዘ፡ 8 ነጥቢ 5 ሚእታዊት ዕብየት ከምተመዝገብ ግምቶም ኣቐሚጦም።
እቲ ትካል፡ ነዚ መፃኢ ዕብየት እታ ሃገር ንምትንባይ ካብ ሞንጎ ዘቐመጦም ረቛሕታት ድማ፡ ኣባ ቀረባ እዋን ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝነበሩ ትካላት፡ ንውልቀ ሰብ ሃፍቲ ብሽያጥ ክዘሩ ዝብል ሓደ እዩ።
በዓል ሞያ ምጣነ ሃፍቲ ዶክተር ሰዒድ ኑሩ፡ ቁጠባዊ ዕብየት እታ ሀገር ተስፋ ዘለዎ ምዃኑ ምግላፁ፡ ወፃእተኛታትን ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓድን ንምስሓብ ግደ ከምዘለዎ ይዛረቡ።
''ፖለቲካ እታ ሀገር እንተድኣ ሃዲኡን፡ ኢትዮጵያ ንኢንቨስትመንት ምችውቲ እያ ዝብል እንተድኣ ተተስፍዩን፡ ዋላ እኳ ከምቶም ዝሓለፉ ዓመታት ልዕሊ 10 ሚእታዊት ቁጠባዊ ዕብየት ኣይኹን፡ 8 ነጥቢ 5 ሚእታዊት ምዕባይ ይከኣል እዩ ኢሎም ዝሓሰቡ ይመስለኒ'' ክብሉ ግምቶም የቐምጡ።
እቲ ትካል ሕድሕድ ዘፈር ብዝርዝር ኣቐሚጡ ትንታነ ብዘይምሃቡ፡ ርኢቶ ንምሃብ ዘፀግም ዋላ እኳ እንተኾነ፡ ''ኣብ ዘለዉ እዋናዊ መረዳእታታት ተደሪኾም፡ ሰብ ሞያ ናይ ባዕሎም ትንበያ ይህቡ እዮም፤ እቲ መረዳእታ ድማ ምስ መንግስቲ ይለዋወጡ እዮም ኢለ እሓስብ'' ኢሎም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምሁር ምጣነ ሃፍቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ተኬ ኣለሙ ድማ፡ ''እቲ ወሳኒ ነገር ሰላም እዩ'' ኢሎም።
«ከም ኣይ.ኤም.ኤፍ ዝኣመሰሉ ትካላት ተኣማንነቶም ዘጠራጥር ኣይኮነን፤ እቲ ዝኸበደ ነገር ግና ኣብ ተፈፃምነቱ እዩ'' ይብሉ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ተኬ።
'' ዚ ኣሃዝ ኣብ ከምኒ ኣሜሪካ እንተዝኸውን ዓብይ እዩ፤ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ግና 8 ነጥቢ 5 ሚእታዊት ቁጠባዊ ዕብየት ዓብይ እዩ ዝበሃል ኣይኮነን'' ይብሉ።
ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝነበሩ ትካላት ናብ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ንምዛር ዝግበር ጉዳይ፡ ሕዚ እውን ኣካታዓይነቱ ዝቐፀለ ይመስል።
''ንብረታት መንግስቲ ገና ናብ ውለቀ ሰብ ሃፍቲ ክሳብ ዝዘር፡ ኣብ ምጣነ ሃፍቲ ዝህልዎም ግደን ሓቃዊ ውፅኢትን ክሳብ ዝረኣይ፡ ልዕሊ ክልተ ዓመት ክወስድ ይኽእል'' ዝብል እምነት ኣለዎም ዶክተር ሰዒድ።
ትካላት መንግስቲ ናብ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ዘይሮም፡ ናይ ነዊሕ እዋን ውፅኢቶም ክሳብ ዝረኣይ፡ እቲ ውሳነ ልክዕ'ዶ ይኸውን ወይ ኣይኮነን ዝብል ንምውሳን እቲ ግዘ ገና ምዃኑ ገሊፆም።
እኳድኣስ፡ እቲ ቀንዲ ሕቶ ክኸውን ዝግባእ፡ እዞም ትካላት ድሕሪ ሕዚ ተወሳኺ ሃፍቲ ከምፅኡ'ዶ ይኽእሉ? ንካልእ ዘፈር ቁጠባ ከቀላጥፍ ዝኽእል ብቕዓት ይህልዎም'ዶ? ዝብል እዩ ብምባል ንሓሳቦም የጎልብቱ።
ኢትዮጵያ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላት ብዙሕ ዕዳ ምድዕናናን፡ ዝጀመረቶም ዓበይቲ ፕሮጀክታት ኣብ ዝተተለመሎም ግዘ ክዛዘሙ ዘይምኽኣሎምን እናተርኣየ፡ እታ ሃገር ብክንድዚ ዝኣክል ኣሃዝ ክትዓብይ ትኽእል እያ ኢልካ ምግማት ዝከኣል ድዩ? ክንብል ንዶክተር ሰዒድ ሓቲትናዮም።
ኣይ ኤም ኤፍ ተስማዕመዐሉ ኣይስማዕመዐሉ ብዘየገድስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጀመሮም ፕሮጀክታት ንምኽምባት ገንዘብ እንተድኣ ሓፂርዎ፤ ሰደድ ምህርቲ ብምንካዩ ዘጋጠሞ ሕፅረት ሸርፊ ከምዘሎ ኸይኑ ናይቲ ዕዳ ፅዕንቶ እውን ሸርፊ ወፃኢ ይንክይ እዩ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኮይኑ ድማ፡ 8 ነጥቢ 5 ቁጠባዊ ዕብየት ምምዝጋብ ዘመፀግም እዩ።
ተኣምራዊ ዕብየት ክመፅእ ኣይክእልን ብምባል ድማ፡ እቲ ትካል ዘቐመጦ ትንበያ ምዕዋት ንኢትዮጵያ ክኸብዳ ከምዝኽእል ሓቢሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







