ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ኤርትራዉያን ሓተትቲ ዑቕባ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ

ምስ ምኽፋት ዶብ ኢትዮ ኤርትራ ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ዝዉሕዙ ኤርትራዉያን ሓተትቲ ዑቕባ ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብሰኑይ ኣብ ዘዉጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ 9 ሓምለ 2018 ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ድሕሪ ምኽታመን ፡ ብ 11 መስከረም፡ ክልተ ናይ ዶብ መራኸቢ መስመራት ዳግማይ ተኸፊቶም ኣለዉ።
እንተኾነ ግን ምኽፋት ናይዞም ክልተ መስመራት ንዋሕዚ ኤርትራዉያን ናብ ኢትዮጵያ ብልዕሊ ሰለስተ ዕጽፊ ወሲኽሉ ኣሎ ክብል፡ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዓለም በሰኑይ ኣብ ዘዉጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ካብ 12 ክሳብ 20 መስከረም 2018 ኣብ ዝነበሩ መዓልታት ጥራይ 1700 ስደተኛታት ኣብ ማእኸል መቐበሊ ስደተኛታት እንዳባጉና ከም ዝተመዝገቡ ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ፤ ብማእኸላይ ገምጋም መዓልታዊ 50 ሰባት ዶብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ዝነበሩ ኣብዚ እዋን ናብ 180 ከም ዘደየበ ይገልጽ።
ገለ ኤርትራዉያን ብቐጥታ ናብቲ መዓስከራትን ናብ መመዝገቢ ማእከል እንዳባጉናን ከኽዱ እኳ እንተጸንሑ ፡ በቲ ዝጸንሐ ግቡእ ኣሰራርሓ መሰረት፡ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ARRA ንኹሎም ሓደስቲ ሓተትቲ ዑቕባ ጥርዓኖም ኣብቶም ቆይሞም ዘለዉ ግዚያዊ ማእኸላት ተረኺቦም ከቕርቡ ይሓትት ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ግዚያዊ ስደተኛታት መቐበሊ ማእከላት ኣብ ዛላምበሳ፡ ራማ፡ ሑመራ፡ ገርሁስርናይ፡ ዓድነብሪኢድን ጭላን ዝተተኽለ ክኸዉን ከሎ፤ ካብኡ ንምዝገባ ናብ እንዳባጉና ከም ዝለኣኹ እቲ ጸብጻብ የመልክት።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ 80% ናይቶም ሓደስቲ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ኮይኖም፡ እቲ ቀንዲ ዝቐርብ ምኽንያት ድማ ምጥርናፍ ስድራቤት ኢዩ።
እዚ ዋሕዚ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ቁጽሪ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ናብ ከባቢ 46 ሽሕ ከደይቦ እንከሎ፡ እቶም 12.4% ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ኢዮም።
ክሳብ ዕለት 19 ናይዚ ወርሒ ኣብ ዝነበሩ መዓልትታት፡ 1,250 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ካብ መመዝገቢ ማእከል እንዳባጉና ናብ መዓስከራት ንምኻድ ኣብ ምጽብባይ ዝነበሩ ክኸኑ እንከለዉ፡ ካልኦት 1400 ድማ ካብቲ ዶባት ናብ ማእከል እንዳባጉና ክሰጋገሩ ይጸባበዩ ነይሮም። ኣብዚ እዋን እቲ ማእከል ን500 ሰባት'ዩ ኣገልግሎት ክህብ ዝኽእል።
ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ቤትጽሕፈት ጉዳያት ስደተኛታት ኢትዮጵያን ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር ንዓቕሚ ናይቲ ማእከል ንምምሕያሽ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ኣብቲ ዘውጽኦ ጸብጸብ ገሊጹ።
ነዚ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምስሳይ ነተን ኤርትራዉያን ዝዕቆቡለን መዓስከራት ንምስፋሕ ምንቅስቓሳት ከም ዝተጀመረ'ዉን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ንምሕላዉን፡ ንምሕጋዝን ዝኣተዎ መብጽዓ ከም ዘኽብሮ ደጊሙ ከም ዘረጋገጸ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







