እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጣልያን ስደተኛታት ብቐሊሉ ንምጥራዝ ዘኽእላ ሕጊ ኣዊጃ
መንግስቲ ጣሊያን ስደትኛታት ብቐሊሉ ንምጥራዝን ኢጣሊያዊ ዜግነቶም ንምቕንጣጥን ዘኽእሎ ኣዋጅ ኣዊጁ።
በዚ ድማ ስደተኛታት ከም መጥቃዕትን ጾታዊ ድፍረትን ዝኣመሰሉ ገበናት ምስ ዝፍጽሙ ክጥረዙ ይኽእሉ ማለት`ዩ።
ቅድሚ ሕጂ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ገበናት ንዝፈጸሙ ንምጥራዝ ነዊሕ እዋን ዝወስድ መስርሕ ሕጊን ይግባያት ምጽባይ የድሊ ነይሩ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማተዮ ሳልቪኒ ነዚ ሓድሽ ሕጊ ንጣልያን `ውሕስቲ ንምግባር ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት`ዩ` ክብል ገሊጽዎ።
እዚ ስጉምቲ`ዚ ገና ደገፍ ናይ ኣባላት ባይቶ ናይ`ታ ሃገር ከድልዮ`ዩ።
ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ብንግዲ ዕጸ ፋርስ ዝተኸሰሱ ሓተትቲ ዑቕባ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ክንጸግ`ዩ ኢሉ ሚስተር ሳልቪኒ።
እቲ ሚኒስተር እቲ ብየማናዊያን ሊግን ኣንጻር ምምሕዳር ዝኾነ ፋይፍ ስታር ሙቭመንትን ዝቖመ ልፍንታዊ መንግስቲ ኣብ ዝሃለፈ ወርሒ ሰነ መንግስቲ ድሕሪ ምምስራቱ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ኣብ ዝግበር ጎስጓሳት ዓቢ ተራ ክጻወት ጸኒሑ`ሎ።
ምስ ኣዋፈርቲ ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ስደተኛታት ዘድሕና ማራኽብ`ውን ብተደጋጋሚ ክራጸም ጸኒሑ`ሎ።
ኣብ ዝሃለፈ ወርሒ`ውን 150 ስስደተኛታት ዝሃዘት መርከብ ኣብ ደሴት ሲሲሊ ኣይትኣቱን`ያ ብምባል ኣብ ቅሉዕ ምፍጣጥ ኣትዩ ነይሩ። በዚ ጉዳይ`ዚ ድማ ኣብ ትሕቲ መርመራ ኣትዩ ኣሎ።
ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለታት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ [መዲተራንያን] ክተሰርሕ ዝጸንሐት ኣኳሪየስ ተባሂላ እትፍለጥ መርከብ ናይ መንቀሳቐሲ ፍቓዳ ብምስራዙ ናይ መጻኢ ምንቅስቓሳ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ`ሎ።
ካብ`ቲ ወፊራቶ ዘላ ምስ ተመልሰት ድማ እቲ ናይ ፓናማ ናይ ባሕሪ መለለዪ ባንዴራኣ ከተውርድ ክትግደድ`ያ፡ ብዘይመተካኣታ ባንዴራ ድማ ተመሊሳ ናብ ባሕሪ ክትወፍር ኣይክትክእልን`ያ።
ንሳ ካብ ሊቢያ ንኤውሮጳን ንምስጋር ከተገልግል ዝጸንሐት ናይ መወዳእታ ብብሕቲ እትውነን መርከብ`ያ ነይራ። ኣብዚ እዋን`ዚ ድማ ስደተኛታት ሒዛ ናብ ወደብ ማርሰ ናይ ፈረንሳ ኣቕኒዓ`ላ።
እተን ንዓኣ ዘንቀሳቕሳ ትካላት ግብረ-ሰናይ፡ መንግስቲ ጣልያን እቲ ስጉምቲ ንኽውሰድ ኣብ ልዕሊ ፓናማ ጸቕጢ ብምግባሩ ወቒሰንኦ።
እተን ክልተ ነታ መርከብ ዝተኻረያ ትካላት ግብረ-ሰናይ ሓካይም ብዘይ ዶብን ሶስ መዲተራኒን ብዛዕባ`ቲ ውሳነ ብበዓል ስልጣን ማሪታይም ፓናማ ብቐዳም ከምዝተሓበረን ገሊጸን።
እቲ በዓል ስልጣን ማሪታይም እታ መርከብ ንመንግስቲ ፓናማ `ናይ ፖለቲካ ጸገም` ኮይናቶ ጸኒሓ`ያ ከምዝበለ ይፍለጥ፡ ሰበ-ስልጣን ጣልያን ድማ `ህጹጽ ውሳነ` ክወስድ ክሓትዎ ከምዝጸንሑ ሶስ መዲተራኒ ሓቢሩ።
እቲ ቅድሚ ሕጂ ነተን ናይ ረዲኤት መራኽብ ንስደተኛታት `ኣገልግሎት ታክሲ` ዝህባ መራኽብ`የን ክብል ዝገለጸን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጣሊያን ማተዮ ሳልቪኒ፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ፓናማ ጸቕጢ ከምዘይገበረት ሓቢሩ። ናይ ፓናማ ዓለም-ለኻዊ መእተዊ [ኮድ ናምበር] ቴለፎን`ውን `ከምዘይፈልጦ`ውን` ብሰንበት ብመንገዲ ትዊተር ሓቢሩ።
ብመሰረት ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 2018 ጥራይ ልዕሊ 1,700 ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ሞይቶም።
መርከብ ኣኳሪየስ ካብ መጋቢት 2016 ክሳብ`ቲ ናይ እገዳ ስምዕታ ዝተዋህበትሉ ወርሒ ነሃሰ ኣብ`ቲ ቦታ ክትሰርሕ ጸኒሓ`ላ።
ቅድሚ ሕጂ ክሳብ ዝሃለፈ ወርሒ ነሃሰ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ማሪታይም ናይ ጂብራልታ ተመዝጊባ`ያ ትንቀሳቀስ ነይራ፡ ዳሕራይ ግን ናይ ክልከላ ውሳነ ምስተገበረላ ኣብ ትሕቲ ፓናማ ተመዝጊባ ክትንቀሳቐስ ጸኒሓ።
እቶም ነታ መርከብ ዘስርሕዋ ትካላት እታ መርከብ ኣብ ተልእኾ እንከላ`ያ እቲ ናይ እገዳ ውሳነ መጺእዎም፡ ኣብ ክልተ ጀላቡ ተሳፊሮም ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዝነበሩ`ሞ ዘድሓንዎም 58 ስደተኛታት ጽዒና ከምዘላ ድማ ሓቢሮም።
እተን ትካላት ግብረ-ሰናይ ብሕጊ ማሪታይም ተቐዪደን ክሰርሓ ከምጸንሓ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ኣብ ልዕሊአን ዝተወስደ ስጉምቲ ብኣማኢት ንዝቑጸሩ ሰባት ንሞት ምኹናን ማለት`ዩ ብምባል ብሓባር ኣብ ዘውጽእኦ መግለጺ ነጺገንኦ።
መንግስታት ኤውሮጳ ኣብ`ቲ ጉዳይ ኢደን ብምእታው ንሰበ-ስልጣን ፓናማ ብምእማን ይኹን ወይ እታ መርከብ ሓድሽ መለለዪ ባንዴራ ተዋሂቡዋ ስራሓ እትቕጽለሉ መንገዲ ከናድያ ድማ ተማሕጺነን ኣለዋ።