እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቡርኪናፋሶ፡ ብምኽንሻብ 50 ህጻናት ግዳያት ኾይነን
ኣስታት 50 ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ምኽንሻበን ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ከምዝረኸባ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ኣፍሊጣ። ካብዚአን ቖልዑ፡ ደቂ ኣርባዕተ ዓመት ይርከብአን።
እንተኾነ ግና፡ ኩለን ንሕክምና ዝኸዳ ዝተኸንሸባ ጥራሕ ከምዘይኾና ሚኒስትር ላዉረንስ ማርሻል ኢልቦዶ ተዛሪባ።
ክልተ ደቂ ሱሳ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ገለ ኣዴታት እተን ግዳያት ድማ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ዉዒለን።
ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብታ ሃገር ካብ 1996 ናብዚ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ዝተደንገገ እንትኾን፡ እዚ ተግባር ዝፈጸሙ ሰልሰተ ዓመት ማእሰርቲ ይቕጽዑ።
ከም ጸብጻብ ኤጀንሲ ህጻናት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰለስተ ርብዒ ዝጽግዓ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ቡርኪናፋሶ ይኽንሸባ።
እዚ ተግባር፡ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሓደ ሚኢቲ ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ካያ ዝበሃል ከባቢ ዝፍጸም እንትኾን፡ ካብ 4 ክሳብ 6 መስከረም ዘጋጠመ እዩ።
ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ
- 'ሙሉእ' ወይ 'ኽፋል' ምቑራጽ መራብሒ ኣካል ጓል ኣንስተይቲ'ዩ
- ኣብ 30 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ገለ ሃገራት ኤዥያን ማእኸላይ ምብራቕን ይፍጸም
- ሰለስተ ሚሊዮን ዝግመታ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዓለም በብዓመቱ ኣብዚ ሓደጋ ይርከባ
- ኣስታት 125 ሚሊዮን ድማ ምስ ሳዕቤናት ምኽንሻብ ዝነብራ ግዳያት'የን