ሄሪዩኬን ፍሎረንስ ንምብራቓዊ ገማግም ኣሜሪካ ኣጥቂዑ

ገለ ክፋል ምብራቓዊ ገማግም ኣሜሪካ ብፍሎረንስ ዝተባህለ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ይህረም ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እዚ ኣብ ሰሜናውን ደቡባውን ግዝኣት ካሮላይና ንሂወት ደቂሰባት ዝደናደን ዘሎ ህቦብላ ንፋስ ብስዓት 150 ኪሎ ሜትሮ ብምሕምባብ ካብቲ ገማግም ናብ ውሽጢ መሬት ይጉዓዝ ከምዘሎ ሰበስልጣናት ኣጠንቂቖም።

ድሮ ብሰንኪ`ቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ክሊማ ልዕሊ 100,000 ገዛውቲ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ተቛሪጽዎ ኣሎ።

እዚ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣሜሪካ ተኸሲቱ ዘሎ ማዕበል ብዙሓት ሰባት ክቐትል ተኽእሎ ከምዘለዎን ሓደጋ ናይ ኣዕናዊ ውሕጅ`ውን ክህሉ ከምዝኽእል ሰበስልጣናት ኣጠንቂቖም።

ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ተቐማጣይ ገማግም ሰሜናዊ ካሮላይን፡ ደቡባዊ ካሮላይንን ቨርጂንያን ካብቲ ዝነብርሉ ቦታት ክግዕዙ ተሓቢሮም ኣለው።

ኣሽሓት ድማ ድሮ ኣብ መጽለሊ ቦታታት ተዓቚቦም ኣለው።

ገለ ስእልታት፡ እቶም ተቐማጦ'ቲ ከባቢ፡ ኣብቲ መዕቆቢ ቦታታት፡ ኮበርታን ፍርናሽን ምንጻፍን ሒዞም የርኢ።

እንታይ ሓድሽ ምዕባለታት ኣሎ?

ካብ ሓሙስ ጀሚሩ፡ እቲ ቅልጣፈ ናይቲ ህቦብላ ኣብቲ ገማግም ባሕሪ እናወሰኸ ይኸይድ ስለዘሎ እቲ ኩነታት እናኸፍአ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ኣብ ገለ ከባቢታት ሰሜናዊ ካሮላይና ንገለ ስዓታት ድሕሪ ዝሃረመ ዝናብ፡ ናይቲ ባህሪ ማይ ብምውሳኹ ናብ መሬት ገጹ ይውሕዝ ኣሎ።

እቲ ኩነታት እናኸፍአ'ይኸይድ ?

ዋላ`ኳ ዓቐን ናይቲ ማዕበል እንተነከየ፡ እቲ ገማግም ግና ካብ ሓሙስ ስጋብ ቀዳም ዘሎ ግዜ ብርቱዕ ዝናብ ክሃርሞ ከምዝኾነ ናይ ክሊማ ተንበያ ይሕብር።

ናይቲ ህቦብላ ንፋስ ምሽምባብ ግና ካብ ቀዳም ጀሚሩ ክንኪ ኢዩ ተባሂሉ። እንተኾነ ዓቐን ናይቲ ውሕጅ ክውስኽን ቁመት ናይቲ ማይ ብፍላይ ኣብ ወሓይዝ ዝርከበሉ ቦታታት ስጋብ 4 ሜትሮ ክበጽሕ ከምዝኾነ እቶም ናይ ክሊማ ክኢላታት ኣተንቢዮም።

ብሰንኪ`ዚ ድማ ካብ ሓደ ስጋብ ሰለስተ ሚልዮን ዝኾነ መንበሪ ገዛውትን ትካላትን፡ ሓይሊ ኤለኤትሪክ ኣይክህልዎምን ኢዩ።

ሓይሊ ኤሌትሪክ ናብ ንቡር ንምምላስ ድማ ኣብ ገለ ቦታታት ሳምንታት ከምዝወስድ ሰበስልጣናት ይገልጹ።

ዛጊት ልዕሊ 1,400 በረራታት ክስረዝ ከሎ፡ ኣብቲ ገማግም ዝርከባ መዓርፎ ነፈርቲ ድማ ተዓጽየን ኣለዋ።

ሓለዋ ገማግም ነቶም ኣብ ገዛውቶም ተዓጊቶም ዘልው ሰባት ካብቲ ዘልውዎ ንምውጻእ ጀላቡ ይጥቀሙ ኣለው።

ምስ ግሎባዊ ሾልቂ ምትእስሳር ኣለዎ`ዶ?

ክሊማዊ ለውጥን ህቦብላን ዘለዎም ምትእስሳር ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኢዩ።

እተን ኣዝየን ዝሞቓ ባሕርታት ህቦብላ የበግሳ። ሙቐት ናይ ውቅያኖሳት ኣብ ዝውስኸሉ እዋን ምሽምባብ ናይ ህቦብላ ንፋስ ክውስኽ ትጽቢታት ኣሎ።