ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ "ኣብ ዶብ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ካምፕ ኣትዩ ክስልጥን'ዩ"

ሎም መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ከባቢታት ዶብ ዛላምበሳን ከባቢኣን ብማዕረ ክምብልበል ዉዒሉ'ዩ።

ድልየት ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተማሊኡ ድማ፡ ኣብ ከባቢ ዶብ ዝነበረ ድፋዕ ብምፍራስ፡ ናይ መገዲ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ንምሃብ ኽፉት ክኸዉን ተገይሩ።

ነዚ ድሕሪ ምብሳር፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመለሱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ "ካብ ሕሉፍ ተማሂርና ድሕሪ ደጊም ንኵናት እንለዓዓለሉ ኩነታት ክህሉ የብሉን" ዝብል መልእኽቶም ኣሕሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንመራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ "ብኽልቲኡ ወገን ብሕጂ ዘለና ፍልጠትን ጉልበትን ኣኪብና ዝጠሚ ዘሎ ህዝብና ክንሕግዝ ኣለና ዝብል ምርድዳእ'ዩ ዘሎ" ኢሎም።

ኣብ ቀጻሊ ንዝስርሑ ስራሕቲ ልምዓት፣ ሰላምን ዲሞክራስን መሰረት ንክትሕዙ ድማ፡ ልዕሊ ኹሉ ንሰላም ኣጉሊሕና ክንሓስባ፣ ካብ ሰላም ወጻእ ልምዓት ከምዘየሎ ክንርዳእ ይግባእ ዝብል መልክእኽቲ ኣሕሊፎም።

እዚ ሓድሽ ዓመት፡ ምስ ሰራዊትና ደስ ብዝብል ኩነታት ኢና ኣብዒልና ዝበሉ ዶክተር ኣብዪ፡ "ካብ ሎም መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዶብ ከባቢ ዝነበረ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ መዓስከር ወተሃደራት እኣትዩ ዝሕደሰሉን ዓቕሙ ዘዕብየሉን ስልጠና ዝወስደሉ ኩነታት ክፍጠር'ዩ" ኢሎም።

እቲ ሰራዊት ሙሉእ ንሙሉእ ዓርሱ ክሳብ ዘጠናኽር ኣብ ዘለዉ ጊዜያት፡ ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ብምሕጋዝ፣ ናብ ስራሕቲ ልምዓት ትኹረት ክገብር፡ ካብኡ ድማ ሙሉእ ቑመና ዘለዎ ሰራዊት ክኸዉን፣ መለይኡ ብምኽባር ሰዓራይ ሰራዊት ክፍጠር ክስራሕ'ዩ እዉን ኢሎም።

ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ዶብ ክሕልዉ ዝጸንሑ ሓይልታተ ምክልኻል ክልቲኤን ሃገራት ልዑል ሙቐት ኣብ ዘለዎ ከባቢ ከምዝነበሩ ይግለጽ።