2010 ዓ.ም፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንጡፍ ተሳትፎ ካብ ዝነበሮም ተጋሩ

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንጡፋት ዳንኤል ብርሃነ፣ ኣሉላ ሰሎሞን፣ መሓሪ ዮውሃንስን

ምንጪ ስእሊ, Facebook

መግለጺ ስእሊ, ዳንኤል ብርሃነ፣ ኣሉላ ሰሎሞንን መሓሪ ዮውሃንስን ካብ ፀጋም ናብ የማን።

ዳንኤል ብርሃነ፣ ኣሉላ ሰሎሞን፣ መሓሪ ዮውሃንስን ዘፅኣት ሴቭ ዓድናን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እዋናዊ ክልላውን ሃገራውን ዛዕባታት ብምልዓል ፅዕንቶ ካብ ሞንጎ ዝፈጠሩ ንጡፋት ተጋሩ እዮም።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ሓድሽ ዓመት 2011 ዓ/ም ምኽንያት ብምግባር ገለ ሕቶታት ኣልዒሉ ኣዘራሪብዎም ኣሎ።

እዞም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፉ ሰባት፡ ብብዙሓት ናእዳን ሙገሳን ክረኽቡ እንከለዉ፡ ብዝህልዎም ኣፈላላይ ቅዋምን ብዘልዕልዎም ሓሳባትን፡ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት እንትኣትዉ፡ ካብዚ ሕልፍ እንትብል እውን መረባ ፌስቡኮም ነቐፌታን ፀርፍን ክፀሓፈሎም ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ብሰዓብቶም ብጣዕሚ ዝተፈተዉ ልጣፋት

በዓል ሞያ ሕጊ፣ ወናኒ ሆርን ኣፌይርስ'ን ኣማኻሪ ፕሮጀክታትን ዳንኤል ብርሃነ ኣብ መረባ ፌስቡኩ 116 ሽሕን 465 ሰዓብቲ እንትህልውዎ ኣብ ትዊተር ድማ 22 ሽሕ ሰባት ይስዕብዎ።

ዝበዝሕ እዋን ብኣምሓርኛ ብምፅሓፍ ዝፍለጥ ዳንኤል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዕዙዝ ተፅዕኖ ይፈጥሩ ካብ ዘለዉ ውሑዳት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ሓደ እዩ። ብፍላይ ብተወለድቲ ትግራይ ዓብይ ክብርን ተቐባልነትን ዘለዎ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 16 ሰነ ሰልፊ ስዒቡ ትግራይ ተሌቬዥን ንምንታይ ሽፋን ከምዘይሃበ፡ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል መብርሂ ክህብ ዝፀሓፎ ፅሑፍ፡ ካብ ፖስትታት ዳንኤል ብርሃነ፡ ልዑል ላይክ ዝረኸበ ዛዕባ እዩ።

ኣሉላ ሰሎሞን ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኖም ኣብ ዝተመረፅሉ ዝለጠፎ ናይ ብስራት ስእሊ፡ ብብዙሓት ዝተፈተዉ እዮም።

ደብረፅዮን ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ስታድዮም ትግራይ ዘስምዕዎ መደረ ዝምልከት ዝለጠፎ ኣዝዩ ከምዝተፈተወ ዘፅኣት ይዛረብ።

ዳንኤል ብርሃነ ካብ ሞንጎ ዝለጠፎም ኣካታዕቲ ዛዕባታት ነቷጊ F-1

ምንጪ ስእሊ, DANIEL BERHANE/FACEBOOK

መግለጺ ስእሊ, ዳንኤል ብርሃነ ካብ ሞንጎ ዝለጠፎም ኣካታዕቲ ዛዕባታት ነቷጊ F-1

ኣካታዕቲ ዛዕባታትን ርኢቶታትን'ኸ ኣየኖት እዮም?

ዳንኤል ኣብቲ 16 ሰነ ተፈንጂሩ ብዛዕባ ዝተብሃለ ነቷጊ 'ኤፍዋን' ምዃኑ ዝገለፀሉ ፖስትን፡ 'ደመቀ መኮንን ቀዳማይ ሚኒስትር ክኸውን ይኽእል እዩ' ዝብል ቅድመ ግምቱን ዝያዳ ኩሉ ክትዕ ዝፈጠሩ ጉዳያት ነይሮም፡ ይብል።

ኣሉላ ሰሎሞን፡ ብዛዕባ ድሕረ ባይታ ትምህርቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዘቕረቦ ነቐፌታ ብዙሕ ክትዕ ዝፈጠረ ነይሩ። ኣሉላ ካብዚ ነቐፌታ ሓሊፉ ካብ መንበብቱን ሰዓብቱን ዝወሃቦ ፍሽኽ ዘብል ርኢቶታት እውን ኣሎ።

''እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናይ ዕስለ ኣተሓሳስባ ድጋፍ፡ 'የመንጋ አስተሰሳብ' ኢለ ብተደጋጋሚ ስለዝገልፆ፡ '' መንጋጋኻ ይሰበር' ዝብል ርእይቶ የስሕቑኒ'' ኢሉ።

ኣሉላ ሰሎሞን ነቲ ኣብታ ሃገር ይረኣይ ንዝበሎ ዕስላዊ ኣተሓሳስባ ንምኹናን ዝጥቀመሉ ቃል 'መንጋ'

ምንጪ ስእሊ, AlULA SOLOMON/ FACEBOOK

መግለጺ ስእሊ, ኣሉላ ሰሎሞን ነቲ ኣብታ ሃገር ይረኣይ ንዝበሎ ዕስላዊ ኣተሓሳስባ ንምኹናን ዝጥቀመሉ ቃል 'መንጋ'

ዘፅኣት፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት መፃኢ ዕድል ህወሓት ኣድሂቡ ዝፀሓፎም ፅሑፋቱ፡ ንብዙሓት ዘዘራረበ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሓሊፉ እዩ።

ንሱ ንመራሕቲ ህወሓት ንምንቃፍ ዝተጠቐመላ 'በሃም፡ ልምሰት ወጥልመት' ትብል ሓረግ ድማ ሰዓብቱ ንዘፅኣት ዝፈልዩላ መለለይት ቃል ኮይና ትቕፅል ኣላ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 'ብዛዕባ ዝምድና ኣድግን ዝብእን' ብመሓሪ ዮውሃንስ ዝተፅሓፈ ፅሑፍ እውን፡ ብዙሕ ክትዕ ዝፈጠረ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሓሊፉ እዩ።

ኣብ 70 ዓመቶም እንታይ ኢሎም ክልጥፉ ይህቅኑ?

እሞ እዞም በቢ መዓልቱ ብዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምልዓል ቀወምቲ ወፈርቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝኾኑ ሰባት ካብ ፌስቡክ ጡረታ ክወፅኡ ከምዘይደልዩ ገሊፆሙልና።

ደቂ 70 ዓመት ሰብ ፀጋ ዕድመ እንትኾኑ ግና፡ ኣብ መረባ ፌስቡክ ዝፅሕፍዎም ሓሳባት፡

  • ዳንኤል ብርሃነ፡ 'ዝመሰለካ ተዛሪብካ ልዕሊ ንባር ዝበለፀ ፀጋ የለን'
  • ኣሉላ ሰሎሞን፡ 'ምቕናይ ጥዑም እዩ ዋላ ሓደ ሰሙንየ'
  • ዘፅኣት ሴቭ ዓድና፡ 'ደቀይ በርትዑ፤ ትኩራት ኩኑ'
  • መሓሪ ዮውሃንስ፡ 'ትግራይ ብዛዕባ ትበሃል መንኮርኩር ናብ ሰማይ ስለ ምውንጫፋ ዝገልፅ ብስራት'

ዛጊድ ብውልቀ ዝበፅሖምፍርራሓት ኣሎ'?

ልክዕ ከምቲ፡ ኣብ መረባ ፌስቡካቶም ብዘንፀባርቕዎም እምነታትን ብዘልዕልዎም ሓሳባትን ደገፍትን ሰዓብትን ከምዘለውዎም፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ቀሊል ዘይበሃል ፅዕንቶ እውን የጋጥሞም እዩ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ መትከል ምሓዝ ስሕተት ኣይኮነን ዝብል ዳንኤል፡ ''ብዋናነት ግና ጥረ ሓቅን ውልቀ ርእይቶን ክተሓዋወሱ የብሎምን'' ይብል ዳንኤል ብርሃነ።

ስለዝኾነ ድማ ኮነ ተብሂሉ ድምፂ ንከይረኽቡ ንዝግበሩ ወገናትን ዛዕባታትን ኮነ ኢሉ ሽፋን ብምሃብ፡ ነገራት ሚዛን ክሕዙ ከምዝገብር ዳንኤል ይዛረብ።

''ኣብዚ ሕዚ እዋን ዋላ እኳ ብመንግስቲ ዕላዊ ዝኾነ እንተዘይኾነ፡ መንግስታዊ ድጋፍ ዘለዎም ዝመስሉ ዝተወደቡ ምፍርራሓት፣ ፀርፍታትን ኣለዉ። መንግስታዊ ድጋፍ ዘለዎም መጥቃዕትን ብሄር ተኮር ጉዳያትን ንርእይ ኣለና'' ብምባል ኣንፃሩ ዝግበሩ ወፍርታት ከምዘለዉ ገሊፁልና።

ነዞም ካብ መንግስቲ ኣካላት ዝመስሉ ምፍርራሓት ግና፡ እዚ ተግባር ንዓና ወይ ንውድብና ኣይውክልን ከምዝብልዎ ዳንኤል ይገልፅ።

በዓል ሞያ ሕጊ፣ ወናኒ ሆርን ኣፌይርስ'ን ኣማኻሪ ፕሮጀክታትን ዳንኤል ብርሃነ

ምንጪ ስእሊ, DANIEL BERHANE

መግለጺ ስእሊ, በዓል ሞያ ሕጊ፣ ወናኒ ሆርን ኣፌይርስ'ን ኣማኻሪ ፕሮጀክታትን ዳንኤል ብርሃነ

"ሓሳብ ክፍራሕ የብሉን፡ ንሓሳብ ብሓሳብ ክትቃለሶ ይግባእ። ሓሳብ እንትፍራሕን እንትዕፈንን ሓደገኛ እዩ" ዝብል መንእሰይ ኣሉላ ሰሎሞን ድማ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብሽም ዝርከብ ነፃነት ንውልቀሰባት ምንሻውን ምፅራፍን ግና ግቡእ ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣለዎ።

'' ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ካባይ ዝተፈለየ ሓሳብ ዘለዎም ሰባት ሓሳቦም ንክገልፁ የበረታትዖም እየ። ሓደ ሓሳብ ጌጋ እዩ ኢለ እንተኣሚነ፡ ብምክብባር ብዝሐሸ ሓሳብ ክቃለሶ ኣለኒ እብል። ሰብ ካብ ፀሪፉኒ፡ ብሓሳብ ክምጉተኒ ዝኽእል ሰብ እየ ቦታ ዝህቦ፡ እቲ ምንታይሲ ንከንብብን ንዓርሰይ ከዕብን ስለዝገብረኒ። ነቲ ዝጎደለኒ ነገር ተረዲአ፡ ዝበለፀ ንክሰርሕ ስለዘተባብዐኒ'' ይብል ኣሉላ።

ኣንፃር ህዝቢ ትግራይን ዝግበሩ ጎስጓሳትን ከም ውልቅኡ ከምዝወስዶ ዝዛረብ ኣሉላ፡ እዚ ኣካይዳ ከም ሃገር ስለዘየናብረና፡ ተጠቀምቲ ካብ ስርዓትን ሕግን ብተወሳኺ፡ ብሕልና ምግዛእ ከምዘድሊ ገሊፁልና።

ዘፅኣት ድማ፡ ዋላ እኳ ኣብዚ ሕዚ እዋን ደሓን ዝበሃል ተርእዮታት እንተሃለወ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝነበሮ ንጥፈት ምፍርራሓት ይበፅሖ ከምዝነበረ እዩ ዝዝክር።

''ተምሃሪ ዩኒቨርሲቲ ኮይነ፡ ክሳብ ካብ ትምህርቲ ንምብራር ዝፈተኑ ሰባት ነይሮም። እዚ ግና ሓሳበይ ካብ ምግላፅ ኣይዓገተንን። ቀፂሉ እውን ኣንፃረይ ብዝነበሩ ኣካላት ብዝተገበረ ወፍሪ ሰለስተ ናይ ፌስቡክ ኣካውንታተይ ተዓፅዮምኒ ነይሮም'' ብምባል ቁሩብ ምምሕያሻት ዋላ እኳ እንተሃለዉ ሕዚ እውን ዘሎ ነፃነት ድሩት ከምዝኾነ ይገልፅ።

'' ብዛዕባ ትግራይን ተጋሩን ክሰምዑ ዘይደልዩ፤ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሓደ እዮም ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሓይልታት እዮም ኣብ ልዕለይ ወፊሮም'' ብምባል ነቲ ኩነታት የብርህ ዘፅኣት፡ እቲ ሳልሳይ ኣካውንቱ ብናይ ካልኦት ሓገዝ መሊሱ ከምዝረኸቦን ኣብ ልዕሊኡ ዝተገበረ ከበድቲ ምፍርራሓት ከምዘይኾለፎን ይዛረብ።

መሓሪ ዮውሃንስ እውን፡ ካብ 2005 ዓ.ም ጀሚሩ ብዝገብሮ ዝነበረ ንጥፈት ብሽም ሕጋዊ መቕፃዕቲ መሃያ ክሳብ ምቕፃዕ ዝበፅሕ ፖለቲካዊ ስጉምትታት ተወሲድዎ ከምዝነበረን ይዛረብ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ኣባል ውድብ ህወሓት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብሰንኪ ኣብ ፌስቡክ ዝፅሕፎም ዛዕባታት 'ፀረ ህዝብን ፀላእን' ዝብሉ መፀለምታታት ይበፅሕዎ ከምዝነበሩ ሓቢሩልና።

'' ኣነ ኣብ ፌስቡክ መንነተይ ገሊፀ ስለዝፅሕፍ፡ ክንቀትለካ ኢና ዝብሉ መፈራርሒ መልእኽትታት ይስደዱለይ ነይሮም'' ዝብል መሓሪ ዮውሃንስ፡ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ግና ኣብኡ ተፈፂሙ ከምዘይፈልጥ ይዛረብ።

መሓሪ ዮውሃንስ ኣብ ፌስቡክ ብዙሕ ክትዕ ዝፈጠረ ፖስት

ምንጪ ስእሊ, MAHARI YOHANS

መግለጺ ስእሊ, መሓሪ ዮውሃንስ ኣብ ፌስቡክ ብዙሕ ክትዕ ዝፈጠረ ፖስት

ተሳትፎ ማሕበራዊ ሚድያ ብኸመይ ጀሚሮም?

ኣብ ኢትዮጵያ ካብቶም ፌስቡክ ቀዲሞም ምጥቃም ዝጀመሩ ሰባት ሓደ ዝኾነ ዳንኤል፡ ቅድሚ 10 ዓመታት እዩ ናብ ፌስቡክ ዓለም ተፀምቢሩ። ኣብ ዌብሳይት ድማ ልዕሊ ሸሞንተ ዓመታት ኮይንዎ ኣሎ። ፈለማ ፌስቡክ እንትጅምር ከምዚ ሎሚ ዝዓምበረ ዛዕባታት ይዝተየሎም ከምዘይነበረ ይገልፅ።

"ኣብቲ እዋን ዝተወሰነ ተጠቃሚ ፌስቡክ ስለዝነበረ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበርና ተጠቀምቲ መብዛሕትኡ ግዘ፡ ኣብ ሃገራት ወፃኢ ምስ ዝነብሩ ሰባት ኢና ንዛተን ንካታዕን ነይርና። ደሓር እዩ ኣብ 2013 ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ብሞባይል ኣገልግሎት ኢንትርኔት ምጥቃም ምስተኽኣለ፡ ብዙሕ ሰብ ናብ ፌስቡክ ውሒዙ" ብምባል የብርህ።

ኣብ ኢትዮጵያ ማሕበራዊ ሚድያ ናይ ምጥቃም ድፍረት ትሑት ምዃኑን ብዙሓት ንባዕሎም ሓቢኦም ከምዝጥቀሙን ዝገልፅ ዳንኤል ብርሃነ፡ ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ሞንጎ ተጠቀምቲ ክትዕን ምንቕቓፍን ከምዝፈጥርን፡ ብፍላይ ድማ ካብ ኣካላት መንግስቲ ንምንታይ ከምዚ ተባሂሉ ዝብል ኩራ ኣሎ፤ ኣብቲ ህዝቢ ንዝኣምነሉ ሓሳባት ምድጋፍ ንዘይኣምነሉ ድማ ምቅዋም ልሙድ ምዃኑ ይገልፅ።

እዚ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝውሕዙ ርኢቶታት ድማ ''ረጉድ ቆርበት ንክህልወኒ ኣኽኢሉኒ" ይብል።

ከም ኣቆፃፅራ አውሮጳውያን ኣብ 2010 ፌስቡክ ምጥቃም ዝጀመረ፡ ኣብዚ ሐዚ ዳይሬክተር ማሕበር ተጋሩ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣሉላ ሰሎሞን ድማ፡ ኢንስታግራምን ትዊተርን እውን ዝጥቀመሎም ማሕበራዊ ሚድያታት እዮም።

ኣብ ፌስቡክ ገፁ ዛጊድ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ እንትኾን፡ ማሕበራዊ ሚድያ ካብቲ ስሩዕ ሚድያ ብዝሐሸ መልክዑ ሓበሬታ ናብ ሕብረተሰብ ንክተብፅሕ ሓጋዚ እዩ ይብል። ገለ ጉድኣት ከምዘለዎ ድማ ይዛረብ።

''ሕግን ስርዓትን ስለዘይብሉ፡ ምስ ውልቀ ሰባት ኣብ ዝህልወና ምልውዋጥ ሓሳብ ፡ ሓደ ሓደ ግዘ ናብ ዘየድልይ ብሄር ተኮር መጥቃዕትን ናይ ውልቀ ሰባት ምፅላምን ይረኣይ እዩ፡ ግና እቲ እወንታዊ ነገራት እዩ ዝበዝሕ'' ብምባል፡ ነዚ ኩሉ ተፃዊርካ ዝግበር ምንቅስቓስ ከምዝኾነ ይገልፅ።

'በሃም' ዘፅኣት ብኣብዝሓ ግዘ ንኣመራርሓ ህወሓት ንምኹናን ዝጥቀመላ ቃል እያ

ምንጪ ስእሊ, ZETSIAT SAVE ADNA

መግለጺ ስእሊ, 'በሃም' ዘፅኣት ብኣብዝሓ ግዘ ንኣመራርሓ ህወሓት ንምኹናን ዝጥቀመላ ቃል እያ

ኣብ መረባ ፌስቡክ ዘፅኣት ሴቭ ዓድና ብዝብል ሽሙ ዝፍለጥ ድማ በዓል ሞያ ሕክምና እንትኸውን፡ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ናይ ሸውዓተ ዓመታት ፃንሒቱ ልዕሊ 35 ሽሕ ሰዓብቲ ኣፍርዩ'ዩ። ኣብዞም ዓመታት ኣብ ማሕበራዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ መናእሰይ ትግራይ ናይ ባዕሉ ኣበርክቶ ከምዝነበሮ እዩ ዝኣምን።

''ኣብ ትግራይ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ዘተኣናግድ ናይ ሚድያ ብዝሃነት ብዘይምንባሩ፡ ንህዝቢ ዝረብሑ ነገራት ዛዕባ ንምግባር ማሕበራዊ ሚድያ ንብዙሓት ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩ እዩ'' ይብል ዘፅኣት።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ፖለቲካል ሳይንስ መምህር መሓሪ ዮውሃን እውን ፡ ኣብ መረባ ፌስቡክ ናይ ሸሞንተ ዓመታት ዕድመ ዘለዎ እንትኸውን ልዕሊ 29 ሽሕ ሰዓብቲ ኣለውዎ።

መፅናዕቲ ብምክያድ ዓበይቲ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጉዳያት ትኹረት ዝህበሎም ጉዳያት ከምዝኾኑ ዝዛረብ መምህር መሓሪ፡ 'ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት' ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ፌስ ቡክ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብተደጋጋሚ ከልዕሉ ካብ መንጎ ዝፀነሑ ሓደ እዩ።

''ኩነተ 'ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት' ኢትዮ ኤርትራ መጀመርያ ናብ ፌስቡክ ክኣቱ ከለኹ ሒዘዮ ዝኣተኹ ዛዕባ እዩ። እዚ ናህተይ ዘላቒ ዝኾነ ግደ ድማ ኣብ መንእሰይን ብዙሓት ሰባትን ፅልዋ ፈጢሩ እዩ። ከም ተጋሩ እውን እቲ ዝነበረ ኩነት ኣንፃር ረብሓና ስለዝነበረ፡ ንክፍታሕ ቅድሚ ኩሉ ትኹረት ሂብና ክንሰርሐሉ እናጎስጎስኩ ፀኒሐ እየ'' ይብል።

'ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ኢትዮ ኤርትራ' ንድሕረ ምረቓ ትምህርቱ መፅናዕታዊ ፅሒፉ ከምዝገበረ ድማ ይሕብር።

ሓበሬታ ካበይ የምፅኡዎ?

ዳንኤል ብርሃነ ኣብ ፌስቡክ ቀዲሙ ብዝልጥፎም ሓበሬታታትን ኣካታዕቲ ፅሑፋትን፡ ንሱ እማ ዝሓዞ ነገር ስለዘለዎ እዩ፤ ሕዚ ግና ኩነታት ፖለቲካ እታ ሃገር እንትቕየር መጠን ዘውፅኦ ሓበሬታ ነክዩ ዝብሉ ሓሜታት ብቕሉዕ ክውግዑ ይስማዕ።

ንሱ ግና ንህዝቢ ሓበሬታ ኣሕሊፉ፡ ዝረኽቦ ፍሉይ ረብሓ ከምዘየለ እዩ ዝገልፅ።

''ንዓይ ሓበሬታ ካብ ልምዲ እየ ዝረክብ፤ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ሚድያ ስለዝሰራሕኩ፣ ካብኡ ድማ ፖለቲካ ኢትዯጵያ ቆልዓ ኮይነ እየ ዝፈልጦ። ንነዊሕ ዓመታት ክከታተሎን ከንብብን እየ ፀኒሐ። ውልቀ ፖለቲከኛታትን ዑደት ፖለቲካ እታ ሃገርን፡ ድሕሪ ግዘ እንታይ ክፍጠር ከምዝኽእል ክፈልጥ ክኢለ እየ። ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ብዙሓት ኣድራሻ ስለዘለኒ ሓበሬታ ንምርካብ ኣይፅገምን" ብምባል ቀልጢፉ ኣብ ፌስቡክ ሓበሬታ ዝልጥፈሉ ምኽንያታት የብርህ።

ከም ቅድሚ ሕዚ ብዙሕ ሓበሬታ ምሃብ ዝነከየሉ ምኽንያት እንትገልፅ ድማ፡

"ሓበሬታ ሕዚ ኮነ ንሓዋሩ ይረክብ እየ። እቲ ፍርቂ ስለዘይምልከተኒ እየ ዝገድፎ። እቲ ፍርቂ ድማ ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ስኻር ክሳብ ዝዝሕል፤ ግዘ ምብኻን ስለዝኾነን ካብኡ ድማ ሰበር ዜና ዝፈትው ምሕደራ እውን ስለዝመፅአን፡ ንሶም ዝበልዎ ምድጋም ኣየድልን። ካልእ ስፍሕ ዝበለ ስራሕ ንምስራሕ ይዳሎ ስለዘለኹ እየ" ኢሉና።

ንጡፋት ማሕበራዊ ሚድያ ዳንኤል ብርሃነ (ፀጋም)፣ ኣሉላ ሰሎሞንን መሓሪ ዮውሃን (የማን)

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK

እንታይ ለዊጦም?

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብዘልዕልዎም ሓሳባት ዛዕባታት ኣንፈት ካብ ምሓዝ ሓሊፎም፡ ኣብ ባይታ ተግባራውነት ክረኽቡ ዕዙዝ ግደ ነይርዎም።

ዳንኤል ብርሃነ፡ ''ዋላ እኳ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዘሎ ሃዋህው መስመር ዝሰሓተ እንተኾነ፡ሓደ ወገን ከበሮ እናወቕዐ ልዕልነቱ ንከየርእይን፡ ኩሉ መዓረ ንክኸውንን ብመስመር ደረጃ ሃናፂ ሚዛን ኣብ ምትሓዝ ግደ ነይሩኒ" ብምባል ዝነበሮ ግደ ይገልፅ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣቢሉ ምስ ካልኦት ሽድሽተ ውሑዳት መዳረግቲን ንጡፋትን ብምዃን፡ ኣብ ላዕለዎት ትካላት መንግስቲ ዝነበረ ግድፈት ኣጠቓቕማ ቋንቋ ትግርኛ ክዕረ ዕዙዝ ግደ ነይርዎም።

እታ ሕዚ ኣብ ወደብ ባፅዕ ስራሕ ጀሚራ ዘላ መቐለ እትበሃል መርከብ፡ ቅድሚ ሕዚ 'መቀሌ' ብዝብል ግጉይ ስያመ እያ ትፅዋዕ ነይራ። ኣብ ትግራይ 'መቀሌ' ዝበሃል ቃልን ከተማን ከምዘየለ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝገበርዎ ጎስጓስን ፅዕንቶን ነታ መርከብ ተዋሂቡ ዝነበረ ስያመ 'መቐለ' ናብ ዝብል ስያመ ክስተኻኸል ከምዝገበሩ ኣሉላ ሰሎሞን ይዛረብ።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ንዝፍፀም ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ብምኹናን እውን ኣብ ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ይካታዕ፡ እዩ ኣሉላ ሰሎሞን።

''ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተፈፀመ ጥቕዓትን ምምዝባልን፡ ምንጪ እተን ኣብ ወፃኢ ዝነበራ ሚድያታት ፅልኢ ይሰብካ ምንባረን ዘቃልዕ ናይ ምስሊ መረዳእታ ምቅለዐይን፡ እዚ ጉዳይ ናብ ሕጊ ምምርሑን ብማሕበራዊ ሚድያ ኣቢለ ካብ ሞንጎ ዝሰራሕክዎም እዩ" ይብል ከም ተጋሩ ትካል ሚድያ ከምዘድልይ ዝሰርሓሉ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ብምግላፅ።

ኣብ ኦሮምያ ዝነበሩ ናዕብታት ብማሕበራዊ ሚድያ እናተመርሑ መንግስቲ ክሳብ ምፍራስ ከምዝበፅሑ ዝገልፅ ዶክተር ዘፅኣት ድማ፡ ኣብ ትግራይ ክንድኡ ዝኣክል ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ዋላ እኳ ኣይሃሉ፡ ተጠቀምቲ ንዝረኣዩዎ ክፍተታትን ፀገማት ሰናይ ምምሕዳርን ኣጉሊህካ ብምንቃፍ፡ ትኹረት ንክረኽቡ ኣኽኢሉ እዩ ኢሉና።

መሓሪ ዮውሃንስ፡ ህወሓት ምምሕያሽ ንክገብር ምንቃፍ ጥራሕ እንተይኮነስ ናይ መፍትሒ ሓሳባት እውን ብምሕባር ለውጥታት ንክመፅኡ ፃዕሪ ገይርና ኢና ይብል።

ንፅባሕ.......

ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተፈላለዩ ፀቕጥታት ዋላ እኳ እንተሃለዉ ፡ ንከምዚኦም ዝበሉ ግና ገፅ ምርኣይ ከምዘየድሊ ዳንኤል ይሕብር።

''እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ኣብ ልዕለይ ፀቕጥታት ዝገብሩ ሰባትን ኣካላትን፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝያዳ ንክጥንክር እዮም ዝገብሩኒ፤ ካብዚ ወፃኢ ግና ኣባይ መሰረታዊ ናይ አተሓሳስባ ለውጢ ክፈጥር ኣይኽእልን " ይብል።

መሓሪ ዮውሃንስ ድማ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓሳብካ ብነፃነት ናይ ምግላፅ ሃዋህው ንክጥጥዕ ከምኒ በዓል ኣብርሃ ደስታ ዝበሉ ዝተወሰኑ መናእሰይ መስዋእቲ ከፊሎም'ዮም። ስለዝኾነ ሓሳብካ ብነፃነት ናይ ምግላፅ ሕገ-መንግስታዊ መሰል ክኽበር፣ ኣብቲ መንእሰይ ተፈጢሩ ዘሎ ንፀገማት ናይ ምምጓት ልምዲ ንድሕሪት ክምለስ የብሉን ብምባል ሓሳቡ ይዛዝም።

line