"ኣይኮነን'ዶ ኣይሸፈንኩምን ተዓዚበኩም'ዉን ክብል ኣይኽእልን"

ምንጪ ስእሊ, TIGRAY TV/ENN FACEBOOK
ብ16 ሰነ 2010 ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ናብ መሪሕነት ካብ ዝመጽእ ንደሓር ዘምጸኦም ለዉጢታት ኣፍልጦን ድጋፍን ንምሃብ ኣብ ኣዲስ ኣበበባ መስቀል ኣደባባይ ሰልፊ ከምዝተኻየደ ዝዝከር'ዩ።
መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ብኣንጻር ዝተመስረታሉ ዕላማ ሃገራዊ ኣጀንዳታት ክጽብጽባን ሽፋን ክህባን ሞያዉን ማሕበራዉን ሓላፍነት ኣለወን ይብል በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ።
ኾይኑ ግና ዝሓለፈደ ቐዳም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ድጋፍ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ትግራይ ቴሌቪዥንን ዉልቀ ሚዲያ ኢ ኤን ኤንን "እቲ ሰልፊ ሽፋን ዘይሃብሉ" ምኽንያት ዝርዝር መብርሂ ሒዞም ክቐርቡ ን 25 ሰነ 2010 ብደብዳበ ኣተሓሳሲቡዎም ኣሎ።
ኮይኑ ግና እቲ በዓል መዚ፡ ብነጻነት ክንቀሳቐሱ ሃገራዊ ሓላፍነት ንዝሃቦም ትካላት ሚዲያ፡ ንምታይ ንሓደ ፍጻመ ሸፈነ ዘይሃብኩም ኢሉ ንመብርሂ ክጽዉዕ ስልጣን ኣለዎ'ዶ? በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ እቲ በዓል መዚ፡ ኣቶ ፍቓዱ ዉበቴ፡ ነዚ "እወ" ዝብል ምላሽ'ዩ ዘለዎም።
እቲ ደብዳበ ዝጸሓፍሉ ምኽንያት ድማ እቲ ፍጻመ ኣብ ምትሕልላፍ ዘሎ ሃገራዊ ትርጉምን ረብሓን ኣብ ግምት ብምእታዉ ከምዝኾነ ይዛረቡ።
"በዓል መዚ ብሮድካስት፡ ናይ ህዝቢ ድሌትን ረብሓን ዘሰጉሙ ትካላት ስርሖም እንታይ ይመስል ዝብል በብመዓልቱ ምክትታትል ይገብር'ዩ። ስለዝኾነ፡ እዞም ትካላት ኣብታ ሃገር ዝካየዱ ዘለዉ ምዕባለታት እናተኸታተሉ ንህዝቢ ከባጽሑ ኣለዎም። ፍቓድ እንትወስዱ'ዉን እዚ ኣብ ግምት ብምእታዉ ስለዝኾነ እቲ ሰልፊ ብዝነበሮ ሃገራዊ ትርጉም ነቶም ትካላት መብርሂ ክሓትት ስልጣን ኣለዎ'ዩ" ዝብል ምላሽ ኣለዎም።
በዓል ሞያ ሕግን ሚዲያን ኣቶ ዓብዱ ዓሊ-ሂጅራ ግና እቲ በዓል መዚ ንትካላት ሚዲያ ሰልፊ ድጋፍ ኣየመሓላለፍኹምን ኢሉ መብርሂ ናይ ምሕታት መሰል የብሉን'ዮም ዝብሉ።
ዝሓለፈ ቐዳም፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሰልፊ ዓቢ ሃገራዊ ትርጉም እኳ እንተነበሮ፡ ሚዲያታት ዘይሸፈንኹምሉ ምኽንያት ኣብርሁለይ ኢሉ ክሓትት ዝፈቕደሉ ናይ ሕጊ መስርሕ ግና የለን ኣብ ዝብል የተኩሩ።
"እዚ ብሓይሊ ኣገዲድካ ዝሽፈን እንተይኾነ እቲ ሚዲያ ተጓይዩ ሽፋን ዝህቦ'ዩ። ዘይምሽፋኖም ብህዝቢ ከሕፍሮም ይኽእል፡ ዘይሕጋዊ ግና ኣይኮነን። እቲ ሃገራዊ ቴሌቭዥን ሙሉእ መዓልቲ እዚ ጉዳይ ከሕልፎ እንዶ ኣይወዓለን? ቴሌቪዥን ትግራይ እንታይ'ዩ ኣጉዲሉ?" ክብሉ ድማ ይሓቱ እቶም በዓል ሞያ።

ምንጪ ስእሊ, ABDU ALI HIJRA
በዚ ሓሳብ ዝሰማምዑ እዚ ደብዳበ ዝበጽሖም ኣካያዲ ስራሕ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣቶ ብርሃኑ ኣባዲ ብወገኖም፡ እቲ በዓል መዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝመሓላለፉ ምድላዋት እንታይ ገይርኩም? ኣይገበርኹም? ንኽብል ዘኽእሎ ዝተጣየሰሉ ኣዋጅ የለን'ዮም ዝብሉ።
"ኣብ ዝመሓላለፉ ምድላዋት ዝምልከት ነቲ ሕገ መንግስቲ ዝጻብኡ፣ ህዝቢ ንህዝቢ ዘጋጭዉ፣ ሃይማኖትን ሰብኣዉን ዲሞክራሲያዉን መሰላት ዝጥሕሱን ምድላዋት እንተድኣ ተመሓላሊፎም ናይ ምሕታት መሰል ኣለዎ። ፕሮግራማት ቅድሚ ምትሕልላፎም ግና ኣየናይ ኢኻ ክተሕልፍ? ኣየናይ ኢኻ ዘየመሓላለፍኻዮ? ኢሉ ክሓትት ዝፈቕደሉ ዝተጣየሸሉ ኣዋጅ የለን" ክብሉ ንቢቢሲ ገሊጾም።
"ኣይኮነን'ዶ ኣይሸፈንኩምን ተዓዚበኩም'ዉን ክብል ኣይኽእልን"
ዝሓለፈ ቐዳም 16 ሰነ ዝነበረ ሰልፊ ድጋፍ ቐዳማይ ሚኒስትር ሙሉእ ፍጻመ ብቐጥታ'ኳ እንተዘይኣሕለፍኹ ዝግብኦ ሽፋን ዜና ግና ሂበ'የ ዝብል መደበር ቴሌቪዥን ትግራይ፡ ነዚ ምድላዉ ዝዕድሞ ስሩዕ ደብዳበ ስለዘይበጽሖን፡ ብዉልቀ ሰባት ዝተወደበ መድረኽ ብምንባሩን ግና ቀጥታዊ ሽፋን ክህብ ዘገድዶ ምኽንያት ከምዘየለ ይገልጽ።
እዚ ሃገራዊ ፍጻመ "ብሸለልታ" ተሓሊፉ'ዩ ኢሉ ዝካታዕ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ድማ ከም ሓደ ናይ ህዝቢ ሚዲያ ነዚ ጉዳይ ሽፋን ዘይምሃቡ ሓበሬታ ንህዝቢ ምኽድዑ'ዩ ዘመላኽት ክብሉ በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ እቲ በዓል መዚ ኣቶ ፍቓዱ ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK
"እቲ ዝሓለፈ ቐዳም ዝተኻየደ ፍጻመ ብዙሓት ትካላት ሚዲያ ክሽፍኑዎ እንከለዉ እዞም ትካላት ግና ሽፋን ኣይሃቡዎን። ንምንታይ ሸለል ከምዝበሉዎ መብርሂ ንምርካብ እምበር ስጉምቲ ንምዉሳድ ኣይኾነን ሕዚ ጸዊዕናዮም ዘለና" ይብሉ።
"መብርሂ ሃቡ፣ ንዘራረብ" ዝብሉ ቃላት ዘይወሓጠሎም በዓል ሞያ ሕግን ሚዲያን ኣቶ ዓብዱ ዓሊ ግና፡ እዞም ሚዲያታት ሽፋን ዘይምሃቦም እቲ በዓል መዚ ስክፍታ ስለዝሓደሮ ተዓዚበኩም ብዝብል ደኣ'ምበር ርጡብ ምኽንያት ሃልዩዎ ኣይኮነን ዝጽዉዖም ዘሎ በሃሊ'ዮም።
"ንዘራረብ ክብል'ዉን ስልጣን የብሉን" ዝበሉ ኣቶ ዓብዱ፡ ናይተን ትካላት ሚዲያ ብፍላይ ድማ ናይ ኢ ኤን ኤን ናጽነት ምድፋር ከምዝኾነ ገሊጾም።
""ኣይኮነን'ዶ ኣይሸፈንኩምን ተዓዚበኩም'ዉን ክብል፣ ነቲ ናይ ዉልቀ ሚዲያ ከምዚ ዓይነት ደብዳበ ክጽሕፍ ኣይኽእልን። ቴሌቪዥን ትግራይ ናይ ህዝቢ ሚዲያ'ዩ ብዝብል መበገሲ ሓሳብ'ኳ እቲ ደብዳበ እንተጽሓፈሉ እዚ'ዉን ኣካታዒ ጉዳይ'ዩ" ክብሉ'ዮም ዝገልጹ።
ካብዚ ሓሊፉ እቲ ሕዚ ዘርእዮ ዘሎ ባህሪ ብሓደ ወገን ሽፋን ኣይሃብኩምን ኢሉ ዝጥርጥረሉ፡ ብኻልእ ገጽ ኸኣ ናይ ሚዲያ ናጽነት እናበለ እዞም ትካላት ክዛረቦም ከሎ ደጊሙዎ እምበር ቅድም ኢሉ'ዉን ኣይተዛረብኩምን እናበለ ከናሹ ጸኒሑ'ዩ ኢሎም።
"ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ንዘመናት ጉዳይ ኢትዮጵያ ከይጸብጸበ እንትተርፍ መዓዝ ጸዊዐሞ? ክንደይ ጉዳያት ሞት፣ ጥምየትን ስደትን ኢትዮጵያ ከይጸብጸበ እንትተርፍ መዓስ ጸዊዖሞ? ንምጽብጻብን ዘይምጽብጻብን ገጽ መንግስቲ እናርኣዩ'ዶ ኣይኮኑን ክጽብጽቡ ዝጸንሑ? ከመይ ኣቢሉ'ዩ ሕዚ ነዞም ትካላት ጸዊዑ ከዘራርበኩም ዝብል?" ዝብሉ ሕቶታት ብምልዓል ድማ ሕዚ ነዘን ትካላት ዝተዉሃበ ደብዳበ ግቡእ ኣይኮነን ብምባል ይነጽጉዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢሳትን ኦኤም ኤንን ዝርከቡዎም ተዓጽዮም ዝነበሩ 264 ሚዲያታት ኸፊቱ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







