እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሽጉጥ ሒዞም ክንቀሳቐሱ ዝተገደዱ ከንቲባ
ከንቲባ ዋና ከተማ ሉሳካ፡ ማይልስ ሳምፓ፡ ሽጉጥ ሒዞም ዘርእይ ኣብ መረባ ፌስቦኮም ዝለጠፍዎ ስእሊ ንከልዕሉ ተገዲዶም ኣለዉ።
"ካብ ድሕሪ ሕዚ ናብ ስራሕ ቦታ እንትኸይድ ኮነ እንትገይሽ፡ ከምዚ ገይረ እየ ንባዕለይ ዝሕሉ። ትማሊ ዘጥቃዕኹምኒ ሰባት፡ መን ከምዝለኣኸኩም እፈልጥ እየ።
ምናልባት ኣብ ልዕለይ መጥቃዕቲ እንተተፈፂሙን ፖሊስ እንተድኣ ዘይበፂሑለይን፡ ንባዕለይ ካብ ሓደጋ ብከምዚ እየ ዝከላኸል" ዝብል ፅሑፍ ኣብ ትሕቲ እቲ ስእሊ ፅሒፈሙሉ እዮም።
ፀኒሖም ግና እቲ ዝለጠፍዎ ስእሊ ካብ መረባ ፌስቡኮም ዋላ እኳ እንተልዓልዎ፡ ሰባት ነዚ ስእሊ ብሞባይሎም ኮፒ የበባፅሕዎ ኣለዉ።
እዞም ከንቲባ፡ ከምዚ ዓይነት ስእሊ ኣብ ፌስቡኮም ክልጥፉን ሽጉጥ ሒዞም ክንቀሳቐሱን ዝተገደዱ ድማ፡ ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ስለዝተፈፀመ ከምዝኾነ፡ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
እዚ መጥቃዕቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ መሬት ዝሸጡን፡ መምርሒታት ህንፀት ኣባይቲ ዝጥሕሱን ሰባት ብዝገበርዎ ወፍሪ ከምዝተፈፀመ ድማ ከንቲባ ሳምፓ ገሊፆም።
ህንፀት ናብ ዝካየደሉ ሓደ ከባቢ ብምኻድ፡ እቲ ትካል፡ ፍቓድ ህንጸት ዘርእይ መዝገብ ኣታዊ ክገብሩ ሓቲቶም እንትምለሱ፡ ሻቡ ንሻቡ ኣስታት 20 መናእሰይ ስዒቦም ከምዘፈራርሕዎም እውን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ፡ ''ንህይወተይ ስለዝሰግእ፡ ንባዕለይ ንክከላኸል መሰል ኣለኒ" ብምባል ውሳንኦም ልክዕ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።
እኳድኣስ ካብ ሕዚ ንደሓር ናብ ስፖርት መስርሒ ቦታታት ብምኻድ፡ ሰብነቶም ከምዘጎልብቱ እውን ተዛሪቦም።