ተንዳይ ቢቲ፡ ዘቕረቦ ናይ ዑቕባ ሕቶ ብሰበስልጣን ዛምብያ ተነጺጉ

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ተቓዋሚ ሰልፊ ዚምባብወ ኤም ዲ ሲ ኣላያንስ ተንዳይ ቢቲ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዛምቢያ ዑቕባ ተነፊጉ።

ፖሊስ ዚምባብወ ድሕሪ`ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተገብረ ምርጫ ናዕቢ ብምልዕዓል ንቢቲ ከሲሱዎ`ሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዛምቢያ ጆ ማላንጂ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ቢቲ ዑቕባ ንኽወሃቦ ዘቕረቦ ምኽኒት ብቑዕ ኣይኮነን ኢሉ። ቢቲ ናብ ሃገሩ ዚምባብወ ክሳብ ዝምለስ ኣብ `ውሑስ ቀይዲ` ኣትዩ ከምዘሎ ድማ እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ቢቲ ብፖሊስ ዚምባብወ ኣብ ዶብ ናይ ዛምቢያ ተኣሲሩ ከምዘሎ ጠበቓኡ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተዘርገሐ ብፖሊስ ዛምቢያ ተጻሒፉ ዝተባህለ መግለጽ ድማ ሰበ-ስልጣን ዚምባብወ ቢቲ ናብ ዛምቢያ ምስ ሰገረ ክኣስርዎ ፈቲኖ ነይሮም ይብል።

እንተኾነ ግን ቢቲ ዓው ኢሉ ምስ ኣእወየ፡ ዚምባባውያን ተጓዓዝቲ ኣኽበርቲ ጸጥታ ሃገሮም ንቢቲ ካብ ምእሳር ዓጊቶሞም ይብል`ቲ ጸብጻብ።

ብድሕሪ`ዚ ሰበ-ስልጣን ዛምቢያ ኣብ`ቲ ጉዳይ ኢዶም ብምእታው ነቶም ሰበ-ስልጣን ዚምባብወ `ኣብ ግዝኣት ዛምቢያ ኮይኖም መዝነቶም ከፈጽሙ ብምፍታኖም` ክኣስርዎም ምዃኖም ኣፈራሪሖሞም።

ቢቲ ዑቕባ ንኽወሃቦ ዘቕረቦ ምኽኒት `ብቑዕ ኣይኮነን` ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዛምቢያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሮበርት ሙጋበ ድሕሪ 37 ዓመታት ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣለየ፡ እቲ ኣብ ሓምለ ዝተገብረ ምርጫ ኣብ`ታ ሃገር ሓቀኛ ዝኾነ ለውጢ ከምጽእ ዓቢ ተስፋ ተነቢርሉ ነይሩ።

እንተኾነ ግን ሰራዊት`ታ ሃገር ኣብ ከተማ ሃራረ ንዝተላዕለ ናይ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምብታን ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም።

ኣብ ዚምባብወ ፍርሒ ሰፊኑ ከምዘሎን፡ ገለ ኣባላት ሰልፊ ተቓውሞ ድማ ተሓቢኦም ከምዘለዉ ልኡኻት ማዕከናት ዜና ጸብጺቦም።

ኮምሽን ምርጫ`ታ ሃገር፡ ፕረሲደንት ኤመርሰን ምናንጋግዋ ኣብ`ቲ ምርጫ ከም ዝተዓወተ ኣዊጁ። ሰልፊ ኤም ዲ ሲ ኣላያንስ ግን ኣብቲ ምርጫ ምጥፍፋእ ነይሩ ይብል።

መራሒ ሰልፊ ኤም ዲ ሲ ኣላያንስ ኔልሰን ቻሚሳ ኣብ`ቲ ምርጫ ተዓዊቱ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን እቲ ውጽኢት ከም ዝተሰረቐ እቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ይገልጽ።

ሚስተር ቢቲ ብድሕሪ`ቲ ኣሰሓሓቢ ምርጫ ናይ 2008፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ኮይኑ ምስ ተሰየመ፡ ነቲ ንዓመታት ኣብ`ታ ሃገር ዝጸንሐ ሕሉፍ ዝቕባበ ቁጠባ ኣብ ምቅላል ዓቢ ግደ ብምብርካቱ ተናኢዱ`ዩ።

ኤም ዲ ሲ ኣላያንስ ነቲ ውጽኢት ናይ ምርጫ ኣብ ቤት ፍርዲ ክብድሆ ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

ማዕከን ዜና ኤ ኤፍ ፒ ንጠበቓ ናይ`ቲ ሰልፊ ታባኒ ምፖፉ ጠቒሱ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ዝተዋህበ ወግዓዊ ውጽኢት ናይ ምርጫ `ውጹእ ክሕደት ድሌት ህዝቢ`ዩ` ኢሉ።

ብጉዳይ ድሕሪ`ቲ ምርጫ ዝተላዕለ ናዕቢ፡ ፖሊስ ንትሸዓተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ይሃድን ኣሎ።