የመን፡ 29 ቆልዑ ብደብዳብ ነፋሪት ተቐቲሎም

ኣብ የመን ብደብዳብ ነፈርቲ ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ሓይልታት ጥምረት፡ ብውሑዱ 29 ቅልዑ ከምዝተቐትሉን ካልኦት 30 ከንዝቖሰሉን ዓለም-ለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።

እቶም ቆልዑ ብኣውቶቡስ እናተጓዕዙ እንከለዉ'ዮም ኣብ ከተማ ዳሕያን ናይ ኣውራጃ ሳዓዳ ኣብ ሓደ ናይ ዕዳጋ ቦታ ምስ በጽሑ ተሃሪሞም።

እቲ ብዕጡቓት ሑቲ ዝካየድ ሚኒስትሪ ጥዕና ቁጽሪ ናይ መወትቲ 43 ዝቖሰሉ ድማ 61 ምዃኑ ጸብጺቡ።

እቲ ንመንግስቲ የመን ኣንጻር ዕጡቓት ሑቲ ዝሕግዝ ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ግን እቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ `ሕጋዊ` እዩ ኢሉ። ፈጺሙ ንበርጌሳውያን ዒላማ ከምዘይገብር ድማ ገሊጹ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን፡ ዕዳጋታት፣ ቤት ትምህርቲታት፣ ሆስፒታላትን መንበሪ ኣባይትን ዒላማ ብምግባር ይወቕስኦ።

እዚ ከምዚ`ሉ እንከሎ፡ እቲ ሓዲሽ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ኮይኑ ዝተሰየመ ብሪጣኒያዊ ዲፕሎማሰኛ ነበር ማርቲን ግሪፊት ንኽልቲኦም ሸነኻት ናይ ኲናት የመን ኣብ ዝመጽእ መስከረም ናብ ጀነቫ ዓዲሙ ከዘራርቦም ወጢኑ`ሎ።

እቲ ኲናት መፍትሒ እንተዘይተረኺብዎ፡ የመን ክትበታተን`ያ፡ ድሕሪ ውሑዳት ዓመታት ድማ ማሕበረ-ሰብ ዓለም `ካልኣይቲ ሶርያ` ክርእይ`ዩ ኢሉ፤ ንሱ ንሊስ ዱሰት ናይ ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ።

"ኲናት የመን እናተናዉሐ ብዝኸደ መጠን ዝያዳ እናተሓላለኸ ክኸይድ`ዩ። ነቶም ተተፋነንቲ ብዝምልከት ድማ ዝያዳ ዓለም-ለኻዊ ምክፍፋል ጥቕምታት ክመጽእ`ዩ፡ ዝያዳ ምፍንጫላት ምስ መጸ ድማ እቲ ሽግር ካብ`ዚ ዘለዎ ንላዕሊ ንምፍትሑ ኣሸጋሪ ክኸውን`ዩ" ኢሉ።

ኣብ ሳዓዳ እንታይ`ዩ ኣጋጢሙ?

እታ ኣውቶቡስ ተማሃሮ ቆልዑ ዝርከብዎም በርጌሳውያን ነበርቲ ናይ`ቲ ከባቢ ሒዛ`ያ ብዕዳጋ ዳሕያን እናሓለፈት እንከላ`ያ ተወቒዓ ክብሉ፡ ሽማግለታት ዓዲ ንማዕከን ዜና ኤ ኤፍ ፒ ሓቢሮም።

እቶም ተማሃሮ ቆልዑ፡ ካብ ናይ ምዝዋር ጉዕዞ ይምለሱ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ እቲ መራሕ መኪና ማይ ክሰቲ ደው ምስ በለ፡ እታ ኣውቶቡስ ተሃሪማ ዝብል ሓበሬታ ካብ ሰራሕተኛታቱ ከምዝረኸበ፤ እቲ ቆልዑት ኣድሕን ተባሂሉ ዝፍለጥ ማሕበር ግብረ ሰናይ ኣፍሊጡ።

እታ ኣውቶቡስ ክትህረም ከላ ደው ኢላ ደዉ ኢላ ምንባራ ወሲኹ ይሕብር።

ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ኣብቲ ዝሕግዞ ሆስፒታል ሳዓዳ፡ 29 ሬሳታት ናይ ትሕቲ 15 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑ ከምዝተቐበለ ኣፍሊጡ። እቲ ሆስፒታል 48 ቁሱላት፡ 30 ካብኣቶም ቆልዑ ከምዝተቐበለ`ውን ኣፍሊጡ።

ብምኽንያት ዋህዚ ቑሱላት፡ ተወሳሒ ሕክምናዊ ሓገዛት ናብ`ቲ ሆስፒታል ከምዝለኣኸ ድማ ገሊጹ።

ብዕጡቓት ሑቲ እትውነን ተለቪዥን ኣል ማሲራሕ በቲ ደብዳብ 47 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት 77 ከምዝቖሰለን ገሊጻ፤ ልብሲ ናይ ቤት ትምህርቶም ተኸዲኖም ናይ ዝሞቱ ቆልዑ ስእሊ ድማ ኣርእያ።

እቲ ግብረ-መልሲ`ኸ ከመይ ኣሎ?

ዋሃብ ቃል ሑቲ መሓመድ ዓብዱሰላም፡ እቲ ጥምረት፡ ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢ ምድብዳቡ "ንሂወት በርጌሳውያን ግዲ ከምዘይብሉ ዘርኢ'ዩ" ኢሉ።

ዓለም-ለካዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል "ብመሰረት ዓለም-ለኻዊ ሕጊ ሰብኣውነት፡ ኣብ እዋን ኲናት በርጌሳውያን ውህስነት ክዋሃቦም ይግባእ" ክብል ከሎ፤ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርወይ ያን ኤገላንድ ድማ "ቅሉዕ ንዕቀት ንሕጊ ኲናት" ዘርኣየ "ግርምቢጥን ዘሕፍርን" መጥቃዕቲ`ዩ ኢሉዎ።

ማሕበር ኣድሕን ህጻናት ብወገኑ "ዘሰንብድ" ኩነት ኢሉዎ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ በርጌሳውያንን ትካላትን በርጌሳውያን ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ምሉእ፣ ህጹጽን ነጻን ዝኹነ መርመራ ክግበር ድማ ጸዊዑ።

እታ ኣውቶቡስ ቀትታዊት ዒላማ ናይ`ቲ መትቃዕቲ ምንባራ ገና ኣይተፈልጠን። ኣፈኛ ናይ`ቲ ጥምረት ኮ/ል ቱርኪ ኣል ማልኪ ግን ኣቲ መጥቅዕቲ "ዓለም-ለኻዊ ሕጊ ሰብኣውነት ተኸቲሉ ዝተወስደ ሕጋዊ ወትሃደራዊ ስጉምቲ`ዩ" ኢሉ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ስዑዲ፡ ጂዛን ብረቡዕ ለይቲ `በርጌሳውያን ብምጥቃዕ ብሓላፍነት ንዝሕተቱ ዕጡቓት ዒላማ`ዩ ወቒዑ` ኢሉ።

ኣብቲ ናይ ረቡዕ መጥቃዕቲ ብዕጡቓት ሑቲ ንዝተቶኮሰ ባሊስቲክ ሚሳይል ንምፍሻል ብዝተቶከሰ ጸረ-ሚሳይል ብተፈንጨርቲ (ስኪጆታት) ሓደ የመናዊ ነባሪ ክቕተል እንከሎ 11 ካልኦት ድማ ቆሲሎም ኢሉ ንሱ።

ዕጡቓት ሑቲ "ግብረ-ሽበራዊ ተግባራቶም ንምፍጻም ንቖልዑት ከም ሽፋን ይጥቀምሎል ኣለዉ" ድማ ኢሉ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ወደባዊት ከተማ ሑደይዳ ብዝተፈጸመ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ 55 በርጌሳውያን ክቕተሉ እንከለዉ 170 ካልኦት ቆሲሎም ነይሮም።

እቲ ጥምረት ግን ኣብ`ቲ ቦታ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘየካየደ ብምግላጽ እቶም ሰባት ግዳያት መጥቃዕቲ ሞርታራት ሑቲ ከምዝኾኑ ገሊጹ።

ኲናት የን ንምንታይ?

ኣብ 2015 ዕጡቓት ሑቲ ንዝበዝሐ ምዕራባዊ ክፋል ናይ`ታ ሃገር ምስተቖጻጸሩን ንፕረሲደንት ዓብዱራቡሕ መንሱር ካብ ሃገር ክሃድም ምስ ገበሩን የመን ብዝኸፍአ ኲናት ትሕመስ ኣላ።

ብምትንሳእ ናይ`ቲ ከም መሳርሒ ኢራን ገይረን ዝርእይኦ ጉጅለ ሑቲ ዝሰግኣ ኢማራት ዓረብ፣ ሰዑዲ ዓረብን ካልኦት ሸውዓተ ዓረባውያን ሃገራትን ንመንግስቲ ፕረሲደንት ዓብዱራቡሕ መንሱር ናብ ስልጣኑ ንምምላስ ጣልቃ ኣትየን።

ብመሰረት ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት፡ ዛጊት ኣስታት 10,000 ሰባት፡ ሰለስተ ሲሶ ካብኣቶም በርጌሳውያን፡ ኣብ`ቲ ኲናት ተቐቲሎም ካልኦት 55,000 ድማ ቆሲሎም ኣለዉ።

ብሰንኪ`ቲ ኲናትን ከፊላዊ ምዕጻው መተሓላለፊ መንገድዳትን በቲ ጥምረት 22 ሚሊዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ። ኣብ ዓለም ድማ እቲ ዝዓበየ ናይ ህጹጽ ኣዋን ሐገዝ ዘድለየሉ ጉዳይ ክኸዉን ከሎ ንሓደ ሚሊዮን ህዝቢ ዝተንከፈ ሸሮኽ ድማ ኣስዒቡ።