ኣብ ህንዲ ዝርከቡ ኢትዮጵያዉያን ተምሃሮ "ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቅና" ኢሎም

ዩኒቨርሲቲ ህንዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ህንዲ ዝምሃሩ ኢትዮጵያዉያን ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ዝኽፈሎም ናይ ጁባ ገንዘብ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ከይተኸፈሎም ስለዝተደናጎየ ንጸገም ተቓሊዕና ይብሉ።

እቶም ተምሃሮ ሒሳብ 350 ዶላር ኣብ ወርሒ በብሰለስተ ወርሑ 1050 ዶላር ናይ ጁባ ገንዘብ ይወሃቦም ክመዝነበረ ዝገለጹ፡ እዚ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብዝነበረ ስልዒት ዝተሰለዓ ክፍሊት እዋኑ ሓሊዩ ከምዘይተኸፈሎምን ንዝተፈላለዩ ጸገማት ክመዝተቓልዑን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ካብ ሞንጎ እቶም ተምሃሮ የዉሃንስ ዝተባህለ፡ ንሱ ኣብ ዝመሃረሉ ከባቢ ብቫይረስ ዝተልዓለ ተላባዒ ሕማም ከምዘጋጠመን ብዚ ምኽንያት ድማ ተምሃሮ ተሻቂሎም ከምዘለዉን ክትገልጽ እንከላ፡ "እቲ ዝወሃበና ዝነበረ ክፍሊት ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ብምድንጓዩ ልዕሊ 50 ተምሃሮ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ሓሚሞም ናብ ሕክምና ክኸዱ ኣይክኣሉን" ኢሉ።

ካልእ ተምሃራይ ካልኣይ ዲግሪ ዩኒቨርሲቲ ዝጽነዕ ብወገኑ "ኣብዚ ሰሙን ዝሓመሙ ሰለስተ ተምሃሮ መሐከሚ ገንዘብ ስለዝሰኣኑ ኾፍ ኢልና ኣለና" ይብል።

"ተምሃሮ ነንሓድሕድና ከይንተሓጋገዝ፡ ኹልና ጁባና ጥርሑ'ዩ" ይብል። እቲ ዝነብሩሉ ከባቢ ወቕቱ ናይ ክረምቲ ስለዝኾነ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ንጥዕንኦም ኣብ ሓደጋ ከምዘዉደቖ ይዛረብ።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ተምሃሪት ሳልሳይ ዲግሪ ሶሻል ዎርክ ተጽንዕ ትዝታ ኣበባ ብወገና፡ "እቲ ዝወሃበና ክፍሊት መነባበሪና'ዩ። መግቢ ሓዊሱ ዕለታዊ ወጻኢታትና ዝሽፍነልና ገንዘብ'ዩ ነይሩ" ትብል።

ኣብ ህንዲ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣስፋዉ ዲንጋሞ እቲ ኤምባሲ ቅድም ክብል ዝነበሮ ኣሰራርሓ ክፍሊት ከምዝቐየረ ብምግላጽ፡ ድሕሪ ሕዚ በብወርሑ ክፍሊት ብባንኪ ንምፍጻም ዘኽእሎ ኣስራርሓ ከምዝተግበረ ሓቢሮም።

መግለጺ ቪድዮ, 15 ሚልዮን ደቀንስትዮ ዓለምና ቤት ትምህርቲ ዝበሃል ረጊጸን ኣይፈልጣን

እቲ ኣምባሳደር፡ ተምሃሮ ናይ ወርሒ ሓምለ ክፍሊቶም ኣብቶም ዝመጽእ መዓልታት ክኽፈሎም'ዩ ክብሉ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

"እቲ ገንዘብ ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ከምዝወጽአ ሓበሬታ ኣሎኒ። ናብ ሒሳብ ገንዘብና ምስኣተወ ድማ ክፍሊት ክንፍጽም ኢና" ኢሎም።

ናይ ሕክምና ወጻኢታቶም ብዝምልከት፡ እቶም ተምሃሮ መድሕን ሕክምና ስለዘይብሎም ዘዉጽኡዎ ገንዘብ ቅብሊት ሒዞም ብምምጻእ ከወራርዱ ከምዝኽእሉን እዚ ድማ ቅድም ኢሉ'ዉን ዝነበረ ኣሰራርሓ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ህንዲ ኣብ ዝርከባ 27 ዩኒቨርሲቲታት ብወጻኢ መንግስቲ አትዮጵያን ሓገዝ መንግስቲ ህንድን ዝመሃሩ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተምሃሮ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ከምዝርከቡ ካብቲ ኤምባሲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።