ቤት ትምህርቲ ኣልድያዕ ኣል እስላምያ ንቡር ኣገልግሎታ ጀሚራ

ምንጪ ስእሊ, GG
ኣብቲ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ 31 ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተኸስተ ናዕቢ ዝሞተን ዝተጎድአን ሰብ ከምዘየሎ እንተኾነ፡ ኣብቲ ናዕቢ ዝተሳተፉ ብዙሓት መንእሰያት ግን፡
ኣብ ቀዳማይ፡ካልኣይ፡ሳልሳይ፡ራብዓይን፡ሓምሻይን መደበራት ፖሊስ ተኣሲሮም ምህላዎምን፡ ሎም መዓልቲ ነቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ብጃምላ ዝተኣስሩ'ሞ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ቖልዑ ከምዝተፈትሑ ምንጭታትና ኣረዲኦም።
እቲ ንሓለዋ ኣብ ኣኽርያ ተዘርጊሑ ዝነበረ ሰራዊት እውን ካብቲ ቦታ ከምዝተኣልየን፡ እታ ቤት ትምህርቲ ስሩዕ ኣገልግሎታ ክትህብ ከምዝወዓለትን እውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, GG
ደቆም ዝተኣስሩዎም ወለዲ ናብ ዝተፈላለያ መደበራት ፖሊስ እናኸዱ ደሃይ ደቆም ይሓቱን ደሃዮም ምስረኸቡ ከኣ ስልጣንያ መግቢ የብፅሑሎምን ከምዘለዉ እውን ምንጭታትና ሓቢሮም።
ኣባል ኤምባሲ ጥልያን ኣብ ኣስመራ፡ ሚስተር ዲየጎ ሶሊናስ እውን ብወገኑ ኣብቲ ፍጻሜ ዝኾነ ይኹን ሰብ ከምዘይተጎድአ ሎሚ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ሚኒስተር ዜና መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሎሚ፡ "ኣብቲ ብቤት ትምህሪቲ ኣድያዕ ብሰሉስ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ወላ ሓደ ሰብ ከም ዘይተቐትለ" ብመገዲ ትዊተር ገሊጹ ነይሩ።
ብዛዕባ እቶም ንምህጋር እታ ቤት ትምህርቲ ብምቅዋም፡ ንወለዲ እታ ቤት ትምህርቲ መግለጺ ምስ ሃቡ ዝተኣስሩ እስታዝ ሓጂ ሙሳ መሓመድን፡ ብድሕሪኦም ዝተአስሩ ሓያሎ ሰባት ግን ንሃለዋቶም ብዝምልከት ክሳብ ሕጂ ደሃይ ከምዘየሎ ምንጭታትና ወሲኾም ኣረዲኦም
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







