"መቓብር ሓርበኛታት እናሃለወ መዓልቶም ዘይክበረሉ እንታይ ምኽንያት ኣሎ?"

ተዓለምቲ ህዝባዊ ግንባር

ምንጪ ስእሊ, Alex Bowie

መግለጺ ስእሊ, ተዓለምቲ ህዝባዊ ግንባር

ስለምንታይ እዩ መዓልቲ ሓርበናታት ኤርትራ ዘድሊ? መዓልቲ ሓርበኛታት ክውስን ዝኽእል'ከ መን እዩ? ግዱሳት ሃገራውያን፡ ህዝባዊ ወይ ሃገራዊ በዓል ንኽጅመር ክእምሙን ክሓቱን እምበር ክውስኑ'ዶ ይኽእሉ እዮም? በየናይ ፍቓድን ስልጣንን'ከ ክገብሩዎ ይኽእሉ? ዝብልን ካልእ ዝርዝራዊ ሕቶታትን ኣልዒሎም ድሕሪ ምክታዕ ኣብ ሓደ ሓሳብ ዓሊቦም።

እቲ ምርድዳእ ከኣ፡ ክሳብ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ሃገራውያን ዘንቀሉዎ ሓሳብ ዝርዕሞን፡ ህዝቢ ብሰፊሕ ተሳትፎ ዘትዩን መኺሩን ዝሓሸት ዝብላ ዕለት ዝመርጽን፡ ብፍሉይ ታሪኽ ንእትጥቀስ ቀዳመይቲ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ፡ ከም መዓልቲ "መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ" ንኽትክበር ወሲኖም።

ስለምንታይ ግን ወርሒ ነሓሰ?

ኣብ 1974 ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ኤርትራ ብፍላይ ኣብታ ዓመት ከኣ ኣብ ወኪ ዛግር ብርቱዕ ኩናት ሓድሕድ ይካየድ ስለዝነበረ፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ እስላሙን ክርስትያኑን፡ ካህናት ታቦትን ድባብን ሒዞም ኣብ መንጎ እቶም ዝዋግኡ ዝነበሩ ተጋደልቲ ብምእታው " ንዓና ቕተሉ - ክልቴኹም፡ ሓድሕድ ዘይነበላልጸኩም ጸጋመይትን የማነይትን ብሌን ዓይንና ኢኹም!" ብምባል ኣብ ማእከል ኣትዮም ዓሪቖሞም።

ነዚ ህዝባዊ ተበግሶ'ዚ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸር ካብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ዝመጽአ ህዝቢ፡ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ተሳቲፉዎ ኢዩ። እቶም ካብ ኣስመራ ዝወጹ ህዝቢ ብሙሉኣቶም ንክርሸኑ ስርዓት ደርጊ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ እኳ ኣንተነበረ፡ ሳላ'ቶም ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣመሓደርቲን ወተሃደራዊያን ሓለፍቲን ግን፡ እቲ ህዝቢ፡ ደቁ ዓሪቑ ብሰላም ናብ ቤቱ ኣስመራ ተመሊሱ።

እቶም ኣብ ክልቲኡ ውድባት ዝነበሩ ሓርበኛታት ኢዮም እምበኣር ኣንቀልቲ ናይዚ " መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ " ዝብል ተበግሶ ወይ ሓሳብ። ብኸምኡ እዮም ንቀዳመይቲ ቀዳም ናይ ወርሒ ነሓሰ ከም መዓልቲ ሓርበኛታት ከብዕሉዋ ተሰማሚዖም።

ተጋዳላይ ሕድራይ፡ "ድሕሪ እቲ ዕርቂ ንሕናን ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን መግለጺ ሓጎስና ንሰማይ እናተኮስና ብፍቕሪ ክንስዕስዕ ዝሓደርናሉ ዕለት ፈጺመ ኣይርስዖን እየ" ብምባል፡ ነቲ ፍጻሜን እዋንን ናይቲ ዕርቂ ፈጺሙ ከምዘይርስዖ ይገልጽ።

ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር

ምንጪ ስእሊ, Alex Bowie

ንምዃኑ እዞም ግዱሳት ሃገራውያን እንታዎት እዮም?

እቲ ብሰይቲ ስዉእ ውፍይቲ ተቓላሲት ኪኪ ጸጋይ ዝነቐለ፡ "ካብ ዕለታት ዓመት ሓንቲ ዕለት ንሞያ ሓርበኛታት" ዝብል ሓሳብ፡ ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝነብሩ ተመሳሳሊ ሓሳብ ዝጸንሖም ተጋደልትን ውፉያት ሓፋሽ ውድባትን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)ን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ)ን ሃገራውያን ተቓለስቲ ተጸምቢሮሞ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2016 ኣበየ ከባቢኦም ፈላሚ ዝኽሪ ጸምቢሎም፡ ዓመታዊ ኸኣ ይቕጽሉዎ ኣለው።

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ብ1981 ብኩናት፡ ብደማዊ ኩናት ሓድሕድ፡ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ካብ ሜዳ ተደፊኡ ካብ ዝወጽእ ንደሓር፡ ንሓያሎ ዓመታት ተጋደልቲ ክልቲኦም ውድባት ብዓይኒ ጽልኢ እዮም ክረኣኣዩ ጸኒሖም።

ይኹን እምበር ይብል ተጋዳላይ ዮሃንስ ጸጋይ፡ " እቲ ኩናትን ውግእን፡ እቲ ጽልእን ቅርሕንትን ኣብ መሪሕነታት ክልቲኡ ግንባራት እምበር፡ ኣብቲ ሓፋሽ ተጋደላይ ስለዘይነበረ፡ እቲ ፍቕሪ ሓድሕድ ክጭብጭብ ግዜ ኣይወሰደሉን ይብል።

ኣስዒቡ፡ እዛ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ፡ ንኹሉ ምእንቲ ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ዝተበጀወን እጃሙ ዘበርከተን ኤርትራዊ ሓርበኛ፡ ተመክኩሮኡ ናብ ሓድሽ ወለዶ ዘሰጋግረላ፡ ንሓድሕዱ ኢሂን ምሂን ንምባል ባይታ ዝረኽበላን ኣጋጣሚ እውን መንገዲ ክትከፍት ትኽእል ኢያ።

እዚ ብግዲኡ ሃገራዊ ዕርቂን ሰላምን ኣብ ምምጻእን ንህሉው ፍልልያት ንምጽባብን ሓጋዚ ኣበርክቶ ክገብር እውን ይኽእል ኢዩ ይብል።

ንምዃኑ ስለምንታይ'ዩ መዓልቲ ሓርበኛታት ክህልወና ዘድሊ እንታይ ኣገዳስነትከ ኣለዎ?

መስረትቲ እዛ ዕለት ንኹሉ ክለዓል ዝግባእ ሕቶ አዕሚቖም ስለዝዘተይሉ ነዛ ሕቶ እውን ኣልዒሎሙዋ ነይሮም። ተጋዳላይ ተሓኤ ነበር ጸጋይ ነጋሽ፡ " መቓብር ሓርበኛታት እናሃለወ ስለምንታይ እዩ'ሞ መዓልቲ ሓርበኛታት ዘይህሉ?" ክብል ንሕቶ ብሕቶ ይምልስ።

ውፍይቲ ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግንባር ኪኪ ጸጋይ፡ " ነቶም ኩለንትናኦም ዝሃቡና ሓርበኛታትና ካብ 365 መዓልታት ዓመት፡ ሓንቲ መዓልቲ መሪጽና የቐንየልና! ዘይንብለሉኸ እንታይ ምኽንያት ኣሎና!" ብምባል ነቲ ሓሳብ ተራጉዶ።

ሰሜን ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Alex Bowie

ኣብ ቃልሲ ሓርነት እግሩ ዝኸፈለ፡ ሓደ ካብ መስረትቲ እዛ ዕለት ገዲም ተጋዳላይ ዮውሃንስ ጸጋይ ብወገኑ፡ ሓያሎ ሃገራት ዓለምና ሓርበኛታተን ንሃገሮም ንዝኸፈሉዎ መስዋእትን ተጋድሎን ብኽብሪ ከምዝዝክርኦ ብምሕባር፡ እቲ ዝለዓለ ኣገዳስነት እዛ ዕለት፡ "ታሪኽ ተጋደሎን ሃገራውነትን ንመጻኢ ወለዶ ምስግጋር እዩ!" ክብል የስምረሉ።

ስለምንታይ ተወሳኺ በዓል?

ኣብ ርእሲ'ቲ ዘለና ሃገራውን ህዝባውን በዓላት ንምንታይ ካልእ በዓል ምውሳኽከ ኣድለየ?" ዝብል ሕቶ እውን ተላዒሉ ምንባሩ ዝሕብር፡ ተጋዳላይ ተሓኤ ነበር ጸጋይ ነጋሽ " ምብዛሕን ምውሓድን በዓላት ዘይኮነ እቲ ኣገዳስነቱ ኢዩ እቲ ወሳኒ። ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ክቡር ዋጋ ንዝኸፈሉ ሓርበኛታት ንኽብሮም ሓንቲ ዕለት ዘይኮነ መዓልታዊ ክንዝክሮም እውን ግቡእ እዩ" ይብል።

ብሓጺሩ፡ ኤርትራውያን መታን ብናጽነትና ክንከብር፡ ዝተሰውኡ፡ ዝሰንከሉ፡ ካብ ብሱል ጥረ ኮይኖም ዝኣተዉ ውጻእ መዓት ንዝኾኑ ክቡራት ዜጋታትና የቐንየልና ምባል ክብሪ እዩ" ግቡእ ከኣ እዩ ብምባል ይድምድም ተጋዳላይ ሕድራይ። ንምዃኑ እቲ ሓርበኛ ዝበሃል መን እዩ?

እቶም ነዚ ሓሳብ እዚ ዘንቀሉ ሓርበኛታት ነዚ ሕቶ እዚ እውን ኣልዒሎሙዎ ነይሮም።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ሃገርና ብዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልይ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ነቲ ተቓዋሚ ከም ከዳዕ እዩ ዝርእዮ። እቲ ዝቃወም ዘሎ ከኣ ነቲ ስልጣን ሒዙ ዝገዝእ ዘሎ ከም መላኽን ዓማጽን ይርእዩ። ስለዝኾነ መን እዩ ሓርበኛ ንዝብል ሕቶ ብመለክዒ ፖለቲካውያን ሓይልታት ይፈላለ እዩ።

ንኣብነት እቲ ሕጂ ኣብ ኣስመራ መንግሰቲ ተኺሉ ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብብረት ተዋጊኡ ስለዝተዳመየን፡ ድሕሪ ናጽነት ግቡእ ዕርቀ ሰላም አሕዋት ኣይተኻየደን።

ስለዚ ገና እቲ ዕርቂ ስለዘይተተኽለ ኣንቀልቲ እዚ ሓሳብ፡ መንዩ ሓርበኛ ንዝብል፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ኤርትራ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ተተኺሉ፡ እቲ ቅዋም ዘውሕሶ ሃገራዊ ባይቶ ብትርጉም ክሳብ ዝውስኖን ዘጽድቖን፡ ንትርጉም ሓርበኛን ሓርበኛነትን ምስ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ብምትእስሳር፥-

"ኩሉ ብንጹህ ሕልና ምንእቲ ናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዝተቓለሰ፡ ብረት ሒዙ ንበረኻ ዝወፈረ፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኣብ ኣፍ ጸላኢ ኮይኑ ዝተወፈየ፡ ብቕሉዕን ብምስጢርን ንኽብሪ ኤርትራን ሓፋሽ ህዝባን በብዓቕሙ ዘገልገለ፡ እቲ ልዑላውነት ሃገር ኣብ ምውሓስ እጃሙ ዝኸፈለን ዘሎን፡ ኩሉ ሓርበኛ እዩ" ክብሉ ከምዝደምደመ ዮውሃንስ ጸጋይ ይሕብር።

መዓልቲ ሓርበኛታት ኣብ ነሓሰ 2016 ካብ ዝጅመር ሎምዘበን ንሳልሳይ ዓመቱ ኢዩ ዝኽበር ዘሎ።